ትግራይ ኣበይ ኣላ?

Mekelle/Tel Aviv/Nairobi/Pretoria/London

Horn News Hub
✦ Highlighting Introduction ✦

ምድሓን ህዝቢ፧ ፖሊሲ ድሕነት ጉዳይ ወፃኢ ትግራይ
(Saving the People of Tigray – Foreign Security Policy)

Authored by Maj. Gen. Abebe Teklehaimanot Jobe, former Commander of the Ethiopian Air Force, this landmark policy article represents one of the most compelling and urgent contributions to Tigray’s political and security discourse. With over seven years of distinguished command leadership and decades of experience in military strategy, security policy, and international affairs, Maj. Gen. Abebe Teklehaimanot brings unparalleled expertise to the pressing question of Tigray’s survival and future in the regional and global security order.

This document goes beyond conventional security analysis. It is a must-read for policymakers, diplomats, military strategists, academics, and all concerned with the destiny of Tigray. The article reflects on the critical challenges facing Tigray’s people in a hostile geopolitical environment, while offering bold, clear, and pragmatic policy directions to safeguard the nation’s survival and dignity.

The article invites readers into a deeper academic and political discourse — exploring different viewpoints, policy alternatives, and strategic frameworks for Tigray’s foreign and security policy. Far from being a static doctrine, it opens a space for dialogue, debate, and action, ensuring that Tigray’s voice and interest are defended in the corridors of international power.

This policy article forms part of the Horn News Hub’s special publication series on Tigray’s political and security future. It is a defining contribution that will shape debates across Tigray, the Horn of Africa, and among international stakeholders committed to peace, security, and justice.

👉 The full article is available below.

መእትዊ ትሕዝቶ

12 መስከረም 2018 ኣበበ ተኽለሃይማኖት ጆቤ (ሜ/ጄ)

ምድሓን ህዝቢ፤ ፖሊሲ ደሕንነት ጉዳይ ወፃኢ ትግራይ

1.ትግራይ ኣበይ ኣላ?——————————————————————————————- 5

) ጠቕላላ ድኽነት፤ሚልዮን ተመዛብልቲ፤ኩናማን ኢሮፕን ከም ማ/ስብ ክጠፍእሉ ዝኸእል ኹነታት ለ) ድሕሪምፅናት ስንባደ (post -genocide trauma) ዝነብር ህዝቢ

) ብኣካልን ብኣእምሮን ዝድኽድኽ ዘሎ ቐፃሊ ትውሊዲ

) ፖሊቲካ ትግራይ መርዛም ፤ናይ ፅለመ እንዳስትሪን፤ ናይ ሕድሕድ ኹናት ርኡይ ሓድጋ ሰ) ሓልሓልታ ሰላማዊ እንቢታታት (Civil Disobedience) ዕንይንይ ሊሂቃን ትግራይ

II. ኣፈፃፅማ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ሓደ መግለፂ ኹንታት ትግራይ—————————————- 10

  • ምስ ኩሉ ኹርኳሓቱ ስምምዕ ፕሮቶሪያ ምትግባር መማረፂ የብሉን
  • ምዕራብ ትግራይ መጨቓጨቒምባል ሕገመንግስታዊ ስርዓት ምፍራስን ሓደገኛን እይ!!
  • ተምዛበልቲን ኢሮፕን ኩናማ ፖለቲካ መኽሰብ ብመራሕቲ ትግራይ ጂሆ ተታሒዞም
  • ነዳዲን ሸቐጣት ወ..ተ ምቕናሰ ምጉታት ንሰላም ዘራጊ እዩ (ኮነ ተባሂሉ እንተኾይኑ ወንጀል እዩ)
  • ሓቛፊ ግዚያዊ መንግስቲ ከድጡ ወደ ማጡ

III ኹናት; ኣሰላልፈ ሓይልታት ድሕሪ ኹናት                                                                                  15

) ተፈጥሮ ኹናት

) ፍትሓዊን ኢፍትሓዊን ሐ) መልክዓ ምድሪን ኹናትን

) ህንፀት መንግስትን ኹናትን

) ገለ ተሞክሮታት ኣሰላልፋ ድሕሪ ኹናት

) ውድቀት ጥራሕ ብምርኣይ መኸተ ኣብ ኣሰላልፋ ዘመዝግቦ ዓብዪ ዓወት ኣይነናእሶ

IV.ኹናት ፅንተት ክተርፍ ዶ ምኸኣለ ወይ ብውሕድ ኪሳራ በኣንፃባራቒ ዓወት ዶ ክዛዘም ምተኽኣለ?——————– 20

) ሰላም ዘይርጉእ ሚዛን እዩ። ኣፍልጦ ብዝተውሃቦ ልዕልና ወይ ማዕረ ሓይሊ ጥራይ እዩ ክዕቀብ ዝኽእል ለ) ውሽጣዊ ዓቕሙ ዝበተነ ስርዓት

) መሓዛ ዘውሕድ፤ ዘርሕቕ፤ ፤ ፀላኢ ዝፍልፍል ዘብዝሕ ኣካይዳ መ) ሕዱር ደመኛ ፀላኢ ሻዕቢያ ክነብር ዝፈቅድ ስርዓት

V መበገሲ ኣምራት ንፖሊሲ ደሕንነት                                                                     31

) ሕገመንግስቲ ዓንዲ እዩ

) ኣምራት ብሔራዊ ረብሓታት ሐ) ኣምራት ብሔራዉ ፖሊሲ

)ፖሊሲ ደሕነነትን ጉዳይ ወፃኢ ክልል አብ ኢፌዴሪ

VI ናይ ሓፂር እዋን (0-7) ዓመታት ፖሊሲ ደሕነነትን ጉዳይ ወፃኢ ትግራይ ሀ) ራእይን ልዑኽን

) ስግኣታት ደሕነንት

) ስትራተጂካዊ ዕላማታት መ) ስትራተጂካዊ ዓንድታት

) ርከብ ምስ ህዝብታት፤ፖለቲካዊ ሓይልታትን መንግስታትን ረ) ውዳበን ኣገባብ ኣተገባብራ

መደምደምታ

መእተዊ

ትግራይ ናብ ጠቕላላ ምፍራስ (total collapse) ከይተምርሕ ጊዜ የለን ብዝብል መንፈስ መሰረታዊ መፍትሕታት

ትእልሽ ኣላ። ኣብ ግዜ ዘይህብ ኩነታት ኮይንካ ረጊዕኻ፣ ኣፅኒዕኻ፤ ተላዚብካ ዝምጥን ፖሊሲን ስትራተጂታትን ብምሕንፃፅ

ህዝቢ ንምድሓን ምቅላስ ይግባእ። ምፍራስ ክበሃል ክሎ በዝሒ ህዝቢ አዐሪዩ ምንካይ ( ብኹናት፤ብጥሜት፤ ሕማም፤ስደት )ን ሕብረተሰብ ካብቲ በፂfhዎ ዝነበረ ዝሓሸ ፖለቲካዊ፡ ማሕበረ-ቁጠባውን ባህላውን ምዕባለ ኣብ ሓፂር አዐሪዩ ምንቁልቛል እንትረአ እዩ። እዚ ገጢሙና ዘሎ ምፍርራስ ግድን ኣይነበረን። እንትንሓበር ምፍርራስ ዓጊትና ትግራይ ናብ ብራኸ ክምትድይብ ዘጠራጥር የብሉን።

ምቑዛም ገድፍና ካብ ዝሓለፈ ተማሂርና ትግራይ ናብ ሙሉእ ምፍርራስ እንተይበፅሓት፤ እንትንብተን ንደክም ፤ምሕዛ ንስእን፤ ንሰዓር እዩሞ (ውሽጣዊ ዓቕሙ ዝበተነ ስርዓት፤ መሓዛ የርሕቕ የውሕድ፤ ፀላኢ ይፍልፍል የብዝሕ) እዩሞ ናብ ብራኸ ክትድይብ ብናይ ሓድነት መንፈስ ዘላቒን ዝተማለ መፍቲሒታት ተረዳዲእና ክንወፈር ይግባእ። ትሕቲ ሕገ-መንግስቲ በቲ ርእሲ ኹሎም ፖሊሲታት ዝኾነ ፖሊሲ ብሔራዊ ደሕነነትን ጉዳይ ወፃኢን ምስምማዕ እንተኺልና እዩ ካብ እዚ ረግረግ ወፂእና ትግራይ ዓዲ ብርሃን እትኸውን።

ብቕድምነት ኣብቲ እቲ ናይ ምፍርራስ ብርኪ ናይ ሓባር ኣረዳድኣ ክህልውና ይግባእ። ትግራይ ኣብ ምንታይ ኹንታት ትርክብ? ትግራይ ብኹሉ ነገር ተመግዲራ ኣላ እንተይልና ምግናን ዶ ይኸውን? ንኩሉ ነገር መበጊሲ ናይ ህዝቢ ኹንታት እዩሞ፤ ንለውጥ መሰርቱን ምኽንያቱን እሱ እዩ እሞ ፈለማ ብዕምቆት ዝድህሰስ ይኸውን።

ትግበራ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ሓደ መግለፂ ኹንታት ትግራይ ኾይኑ አሎ። ናይ ኹናት ህዋህው እንተሃለወኳ ኣብ ዝበዝሕ ትግራይ ተኹሲ ደው ኣቢሉ አሎ። ህዝቢ ናይ ግልጋሎት ተጠቃሚ ኾይኑ አሎ። ሙሉእ ተዘይኮነ እውን ዕፅዋን ኽባን ተኸፊቱ ኣሎ። እዚ ዘይነዓቕ ክነስተማቕሮ ዝግባእ ዓወት እዩ። ነገር ግን!! ኣፋፃፅማ ፕሪቶሪያ ዓበይቲ ሽግራትን ግልፅነትን ተሓታትነትን ዝጎዶሎ እዩ ብፍላይ ኣብ ሕገ-መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይን ምምላስን እግር-ምትካል ተመዛበልቲ። ፌደራል ይኹን ናይ ትግራይ መንግስቲ ሕብሕቢሒቶ እዮም ዝፅዋቱ ዘለው።

ምዕራብ ትግራይ (ወልቃይትን ፀገዴን) “መጨቓጨቒ” ኸባቢ ኣይኮነን፡፡ ብሕገ-መንግስቲ (ፌደራል፤ትግራይ፤ ኣምሓራ) ዝተኸተመ ብናይ ኣምሓራን ትግራይን ክልላዊ መንግስታት ስምምዕነት ዝተዓፀወ እዩ። ኢሮፕን ኩናማን ካልኦትን ኣብ ሲኦል ይነብሩ አለው ነድሕኖም።

ብዋናነት ምእንቲ ንቕድሚት ክንመሃርሉ ነዚ ምፍርራስ ቐንዲ ምኽንያታት ( ቕድሚኡ እውን እቲ ስርዓት ሃንዶሽዶሽ ምባል ጀሚሩ እኳ እንተነበረ) ዝኾነ ኹናት ክተርፍ ዶ ይኽእል ነይሩ? ወይም ተገዲድና እንተገጢማና ብውfhድ ኪሳራ ብኣንፀባራቒ ዓወት ንምንታይ ዘይተዛዘመ? ዝብል ጉዳይ ብስትራተጂካዊን ስልታዊ መድረኻት ዓይኒ ምርኣይ ወሳኒ እዩ። ብገንኡ እትኻላኸል እንተዋጣዊጦም ደማይ ብኣግኡ እትኽርትም ናይ ሰላምን ራሕዋን እትኽውን ትግራይ ብኢሂንሚሒን ነጠጣዓያ። ምእንቲ እዚ አብ ኣምራት ኹናት ተመሳሳሊ ርዲኢት ክህልወና ቕዲምና ምድህሳስ ኣድላዪ ኾይኑ ኣሎ።

ተፈጥሮ ኹናት ፤ብፍላይ ኹናትን ህንፀተ-መንግስትን ብዝግባእ ካብ ዘይምርዳእ ወይም እቲ ሽግር ናብ ደገ ንምንጣር ሓድሓደ ግዜ ብፈጣሪ ስለዝተርገምና ካልእ ግዜ ኣካል ኢትዮጵያ ስለዝኾና ወይም ኻልኦት ምኽንያታት እናደርደርና ወርቃዊ ግዚና ካብ እንሕንሽሽ ኸባቢና ዓብዪ ፅልዋ እኳ እንተሃለዎ እቲ ዋሳኒ ውሽጣዊ ዓቅምና እዩ ብዝብል ውሱን ክልሰሓሳባዊን ናይ ዓለም ተሞክሮ ምውካስ ኣድላይ ኾይኑ አሎ።

ሕገ-መንግስትና (ምስ ገለ ሽግራቱ) ናይ ህዝብና ቆዋሚ ባህግታት ማለት ዘላቒ ሰላምን ቐፃልነት ዘለዎ ማሕበረ- ኢኮኖሚያዊ ምዕባለ ንምርግጋፅ ሰለስተ ትውልዲ መሰላት ኣፍልጦ ሂቡ እዩ። ሊበራል ናይ ውልቀ ሰብ መሰላት፤ ማሕበረ- ቑጠባዊ ውልቃዊ መሰላትን መሰል-ዓርሰውሳነ (ናይ ውሽጢን ናይ ደገን ክሳብ ሃገር ምምስራት)ዝማእኸሉ ናይ ምትሕግጋዝ (solidarity rights):: እዞም መስላት አብዚ ዘለናዮ መዋእል ናይ ሓፂር (0-5-7) ማእኸላይ (7-15) ው.ዘ.ተ ዓመታት ተግባራዊ ክኾኑ ዝኽእሉ ብጭቡጥ ረብሓታት ተነፂሮም አብ ምርድዳእ እንተተበፂfhሎም እዩ። ረብሓታት ሉስሉስ ይኹኑ ተሪር

(soft and hard intersts)        መንነትን ክብርታትን መሰረት ዝገበረ ውሽጣዊ፤ኸባቢያዊን ዓለምለኸ ዓቕምታት አብ ግምት ዘእተወ ነቶም መሰላት ንምትግባር ዝንፀሩ እዮም። ምእንቲ እዚ ኣምራት ተሞርኪስካ ናይ ሓፂር እዋን ረብሓታት ምንፃር የድሊ።

ረብሓታት ብዝተማልአ ክርጋገፁ ዝኸሉ ናይ መላእ ህዝቢ፤ ሕ/ሰባዊ ትካላት፤መንግስታዊ (ምምሐዳር፤ቤት ምኽሪ፤ ቤት ፍርዲ፤ናይ ፀጥታ ሓይልታት ወ.ዘ፣ተ. ) ምውዳድ እንትህልውን እቲ ፖለቲካ፤ማሕብረ-ቑጠባውን፤ናይ ወፃኢ ናይ ፅጥታ ስራሕቲ እንትቀናጀው እዩ። በዚ ምኸንያት ርእሰ ፖሊሲታት ዝኾነ ብሒራዊ ደሕንነትን ናይ “ወፃኢ” ፖሊሲ የድሊ። ንኹሉ ፖሊሲታት ክመርሕን ክገርሕን ምእንታን ስትራተጂካዊ ኣንፈታት ብምንፃርን ተቐባልነት (legitimacy)፤ውህደትን (Integration) ዓቕሚ ፖሊሲ (Policy Capacity) ዘማለዐ ምሕደራ ክህሉው ይግባእ።

ናይ እዚ ፅfhፍ ቴማ ዓወት ይኹን ውድቀት ናይ ኩሉና ዝብል እዩ። ናይ ህዝቢ ክብርታትን/ ድሕረታትን፤ሊህቃን ብቕዓትን/ ተበላፅነት፤ ናይ ላዕለዎት መራሕቲ ብልሕን ውፍይነት/ ምንቁልቃልን ንህዝቢ ምጥላመን ዝወልዶ እዩ። ላዕለዎት መራሕቲ ኣብ ዓወት ጎሊሆም ይምስገኑ ኣብ ውድቀት እውን ፖለቲካሊ ከም ኣካል ዝላዓለ ተሓተቲ እዮም (ገበን ብውልቂ እዩ)። ኾይኑ ግን ሊሂቃን ትግራይ ከም አካል ይኹን ብብውልቀ ኣብቲ ዓወት ይኹን ውድቐት ንውሽጥና ንፍተሽ ጉድለታትና ኣሪምና ህዝብና ንምድሓን ጩብጥ መፍቲሒታት መሰረት ገይርና ንቃለስ፡ ኣንቃዕሪርና ንመራሕቲ ህወሓት ምዝላፍ ዘምፅኦ ፋይዳ ኣይህሉዉን።

እዚ ዜሮ ረቂቕ ናብ መውዳእቱኡ ምስ ተፀገአ ሰለስተ ሕቶታት ተወንጢሖም። ኹነታት ትግራይ ኣብ ከም መርማሪ ኮሚሽን ንፅንተት ትግራይ፤ቢሮ ሕርሻን ጥዕናን፤በቲ ቐዳማይ ግዚያዊ መንግስቲ ምሕደራ ዝምልከት ዝተገበረ ፅንዓታት ብመጠኑ ክውከስ እንተፈተነ እውን ንኹሉ ዝድህስስ ፅንዓት ኣብ ዘይተገበረሉ እቲ ናይ ኹንታት ገምጋም ክሳብ ክንደየናይ ወድዓዊ እዩ? ፅንተት ዘኽአሉ ውሽጣዊ ኹንታት (ኣብ ዓወት ውሽጢን ኣብ ነዊሕ ግዜ ዝገበሉ ቕልውላዋት) ገምጋም ክሳብ ክንደየናይ ናብ ሓቂ ዝቐርበ እዩ?

ኣጠቓላሊ (comprehensive) ፅንዓት ንምክያድ ኣቕምን ግዜየን ዝህሉው ኣይመስልን። እቶም ኣምራትን ኽልሰ- ሓሳብን ጉዳያት ሓዊስካ አብዚ ጉዳያት እዚኦም መፅናእትታ ዝተሳተፉን ብሕማቕ ይኹን ብፅብቕ ኣብዚኸይዲ መራሕቲ ወይ ልዑል ንጥፈት ዝነብሮም እንተይተወካስካ እቲ ድራፍት ፖሊሲ ደሕነነት ክሳብ ከንደየናይ ጠቓሚ ይኸውን? ካብ ዝብል መጀመሪያ ካብቶም ዝተጠቐሱ አካላት ሪኢቶ (feed back) ምርካብ ኣድላይ ኾይኑ ኣሎ። ኣብዚ ሰነድ እዚ ኣንፈት ንምትሓዝ ትሕዝቶ (content) ጥራህ ቐርቡ አሎ ። ዝተማለዐ ፖሊሲ ረቂቅ ድሕሪ እታወታት ኣብ ካልእ ሰንድ ክቐርብ እዩ።

ድሕሪ ዓወት 1983 እንተይተኣርሙ ናብዚ ሕዚ ዘብፅfhና ቕልውላዋት ንምግላፅ ውልቃዊ ሪኢቶይ ደርዲረ ኣለኹሞ እንተይስልቸወኩም ክተንብብዎ ይላቦ። ውሽጣዊ ስሚዒትይ ዝድፍኦ ዘየድሊ ሓተፍተምፍ እንተልዩዎን ባዕለይ ጨንቖር ኢለ ዝፅሓፍኩዎ ስለዝኾነ ንግድፈታት ይቕርታ ይሓትት።

ሪኢቶኹም በቲ ዝበፅሐኩም መተግበሪ ኣፕ ወይም ብ gabebet@gmail.com  ክትሰዱለይ ብኽብሪ ይዕድም።

I. ትግራይ ኣብ ምንታይ ኹነታት ትርከብ?-

ትግራይ ክበሃል እንተሎ ህዝባ ማለት እዩ። ካብኡ ዝዓቢ የለን። ብሔር/ብሔረሰብ፤መንግስቲ፤ረብሓታት፤ ሉዓላዊነት፤ ናይ መርየት ምሉእነት ወ.ዘ.ተ ካብ ህዝብን ምእንቲ ህዝብን ብህዝብን ክረአ ዘለዎ።

) ጠቕላላ ድኽነት፤ሚልዮን ተመዛብልቲ፤ኩናማን ኢሮፕን ከም ማ/ስብ ክጠፍእሉ ዝኸል ኹነታት

ልዕሊ 90% ኣብ ትግራይ ዝነብሩ ተጋሩ ኣብ ድኽነት ትሕቲ ድኽነትን ይነብሩ ኣለው። ቕድሚ ኹናት መኸተ 8 ሚልዮን እንትነይሩ ብኹናት ፅንተት ኣስታት 1 ሚልዮን ተጠፊኡ ናይ 7 ሚልዮን 90% 6.3 ሚልዮን ኣብ ጥምየት፤ሕማም ዕርቃን ወ.ዘ.ተ. ፅላሎት ይነብር ኣሎ ማለት እዩ። ብሔረሰባት ኢሮፕን ኩናማን ከም ህዝቢ ይጠፈኡ ኣለው። ኣብቲሕቲ መንግስቲ ኤርትራ ዘለዉ ኻልኦት ህዝብታት እውን ኣብ መከራ ኣለው።

ንባዕሎም ኺኢሎም ንኻልኦት ዝኾኑ ዝነብሩ 1 ሚልዮን ዝኾኑ ተመዛበልቲ ኣብ ሲኦል ይነብሩ ኣለዉ። ኣብ ሽረ ይኹን ኣብ መቐለ ይሃልው ዓዶም እዩ። ንቡር መፅለሊ፤ምግቢ፤ሕክምና፤ትምህርቲ ወ.ዘ.ተ በቲ ዝነብርዎ መነባብሮ ኣብ ዘለዉዎ ከይፀንfh (ክሳብ ግዝኣት ትግራይ ዝምለስ) ትግራይ ኣይከኣለትን ነቲ ኣብ ገዝኡ ዘለውን ያው እዩ ኣብ ናይ ድኽነት ዓዘቕቲ ይነብር ስለዝሎ።

ሓረስታይ ትግራዋይ ፂዒሩ ከይሓልፈሉ ዳርጋ ኹሉ መበገሲ ዝኸውን እታወታንን መሳሪሒታትን ዓነውነው ኢሉን ተቕፂሉን ዝተርፈ ፀላእቲ ኣግዒዞሙዎ። ቕድሚ ኹናት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ኣብዑር (ብዕራይ) ዝነበራ ትግራይ ሎሚ ናብ 250000 ወሪዶም። 75% ተሓሪዶም ወይም ተዘሪፎም ማለት እዩ። እተን ኣላሕም በቲ ናይ ኣብዑር መጠን ሓሊቕን ተባሂሉ እንተተገሚቱ ብ መትካእታ አዐሪዩ ዉሕድ ይኸውን ኣሎ።

ልዕሊ ፍርቂ መንእሰይ ስራሕ ዘይብሉ እዩ። ክመሃር ወይ ሓዳር ክገብር ዘይደሊ ኾይኑ ኣሎ። ስደት አዐሪዩ መሰከፊ ኾይኑ ኣሎ። ስራሕ ክፈጥሩ ዝኽእሉ ሰብ ሓፍቲ ናይ ባዕሎም ይኹን ተለቂሖም ዘውፈሩዎ (invest) ንብረቶም ተቓፂሉ/ተዘሪፉ፤ ብወለድ ተዳዕኒኖም ብዕዳ ተጀንጂኖም ተለቂሖም ከየልምዑ ኣፋፍኖት ሲኢኖም ዝተረምስሉ ኹነታት እዩ ዘሎ።

ካብ 60-70% ናይ ትግራይ በጀት ንቲዲኤፍ ዝምደብ እንትኾነ እውን እቶም ዓይኒ ብሌንና ዝኾኑ ውግኣትና ግቡእ ሕክምናዊ ግልጋሎት ዘይረኽብሉ፤ ኣብ እቲ ሰራዊት ዘገልግሉ ዘለው ጅጋኑና እውን እኹል ደመዎዝ ኣይረኽቡን ጥራሕ ዘይኮነ ንናብራ መሰረታዊ ዝበሃሉ ዝይረኽበሉ ዓውዲ እዩ ዘሎ። ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛታት እንኮላይ እቲ ላዕለዋይ ፀፍሒ ሙሁር፤ ኣብ ልዕሊ ዘይረብሕ ደሞወዞም ናይ ብዝሕ ወርሕታት ተኸልኪሎም ኣብ መከራ ይርከቡ።

) ድሕሪምፅናት ስንባደ (post -genocide trauma) ዝነብር ህዝቢ

ኣስታት 1 ሚልዮን ህዝባ ዝጠፍኣ፣ ልዕሊ 120 ሺሕ እነሓጎታት፤ኣዴታትን ቖልዑ ኣሰካሒ ፆታዊ ጥቅዓት ዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮ፤ታሪኻዊን ሃይማኖትዊ ትካላትና ሓዶሽ ዶሽ ዝበለሉ፤ ትሕተ-ቕርጽታት ዓነውነው ዝበለሉ፤መንግስታዊ መሓውር ዝተበጣጠሰሉ ወ.ዘ.ተ ብጠቕላለ ብምኽነያት ድሕሪ-ምፅናት ስንባደ (post genocide trauma) ኣብ ማሕበራዊ ቐውሲ ትርከብ።

እንሕበኖሎም ክብርታትና ምሽርሻር ዝጀመረሉን ኣብ ትግራይ እሞ ብተጋሩ በዚ ደርጃዚ ተራኢዩ ዘይፍልጥ ፆታዊ ጥቅዓት፤ስርቅን ምቅትታልን ካብኡ ሓሊፉ ብዝተወድበ መንገዲ ዉራ መሬትን ሓፂን መፂን፤ህዝቢ ብኬሚካል እናብለብልካ ምጉሓፍ ወርቂን፤ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝረኣየሉ ኹንታት ኣሎ።

እቲ ቐንዲ ሽግር ግን ግልፅነትን ትሓታትነትን ዘይምህላው እዩ። ትግራይ ንሹሙ እምበር ዳርጋ መንግስቲ ኣልባ እያ። እዚ መካራ ህዝቢ ነበርን ሕዚ ዘለው ፕሬዚደንታት ንፈልጦ ኢና ይብሉ ግን ዝምያዚም እዩ። መራሕቲ ህወሓት ባዕልና ንባዕልና ክነመሓድር እና ንዝበለ ህዝቢ ራያ ክነማዓራሪዮ ኢሎም እንትፍኩሩን ብዝእዝዝዎ ዝተሽፈነ ስራዊት ብሓይሊ እንትጭፍልቑ፤ ገሊኦም ኣዘዝቲ ሰራዊት ተፅሊምና ኢሎም ማይክሮፎን ኣብዝሓዝሉ እንትፍኹሩ ንምንታይ ህዝቢ ብህይወቱ እናተሳቐየ ጉ ሱቅ

ምባል ከምዝመረፁ ዘድንፁ እዩ። ወይ ፈሪሖም ወይ ኣካል እቲ ገብን ስለዝኾኑ ውይም ንኽገዝኡ መትሐጃ (blackmail) ክገብሩዎ ደልዮም ይኾኑ። እዚ ጀግና ህዝቢ ግን ፍትሒ ሲኢኑ የአውይ አሎ። ተነሓናሕቲ ውድባት እዚ ገበናት ኣብ ብምቅላዕ ምስ ህዝቦም ደው ምባሎም ዘመስግን እዩ።

) ብኣካልን ብኣእምሮን ዝድኽድኽ ዘሎ ቐፃሊ ትውልዲ (ፉሉይ ቖላሕታ የድልዮ)

ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታትን ካብ ሕዚ ዝውለዱ (ምናልባት 5 ዓመታት) ብምኽንያት ዋሕዲን ዘይተማጣጠነ ምግብን፤ ስእነት ሕክምናን ናይ ኣካልን ኣእምሮን ምድኽዳኽ ክህሉው ይኽእል። ድሕሪ ኣስታት 15 ዓመታት ዝህሉው ትውልዲ ንሕሰቦ። 38 ሚእታዊ ኣዴታት ትግራይ ኣብ ገዛ ይወልዳ ኣለዋ። ትርጉሙ ዓቢይ እዩ። ኣብ ልዕሊኡ 1.2 ሚልዮን ዝኾኑ ቖልዑት ካብ ትምህርቲ ወፃኢ ዝኾኑሉ ኹንታት እዩ ዘሎ። እቲ ምድኽዳኽ ንምቕናስ ዛጊድ ዝፍለጥ ፍኖተ-ካርታ የለን። እቲ ኣጠቓላሊ ምሕዋይ ማሕበር-እኮኖሚያ ሕይወት እውን ብዘድንግፅ ብርኪ ጎታት እዩ ዘሎ።

መ) ፖሊቲካ ትግራይ መርዛም ፤ናይ ፅለመ እንዳስትሪን ብሓይሊ ብረት ዝግናሕ ኾይኑ።

ናይ ሕድሕድ ኹናት ርኡይ ሓድጋ

“ተናቚርኩም ኣይተናቚርና ፍቕሪ ናፊቚ ህዝብና”

እቲ ወድዓዊ ኹንታት መሊኡ እንተይተማለዐ ካብ መስፋናዊ ፖሊካዊ ስርዓት ናብ ዴምክራሲያዊ ስርዓት ኣብ ስግግር ንርካብ። ብደርጊ ምውጋድ ዝተጀመረ መስርሕ ብሕገ-መንግስቲ ተሓንጊጡ፤መስል-ዓርሰ ውሳነ ማእኸል ገይሩ ብናይ ዝበዝሕ ህዝብታት ድጋፍ ኣብ ኢትዮጵያ ይኹን ትግራይ ቕድሚኡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ሰላም ምስኡ ዝኽይድ መስተንክራዊ ማሕበረ- ኢኮኖሚያዊን ምዕታር ተጀሚሩ ነይሩ። ኾይኑ ግን ኣብ ክሊ ዓወታት ትሓቢኦም ዝጎኖዱ ቕልውላዋት (ብዋናነት መሰላት ህዝቢ ዝዕፍኑ፤ትካላውነት ገና ኣብ እሸል እንተሎ ክብርዕን ዝገብርን ሓይሊ ብፍላይ ናይቲ መሁር ዝብትን) መፍቲሒ እንተይተገበረሎም ገቢሎም ገባቢሎም ነቲ ተስፋ ምስናቕ ተጀሚሩ ኣፀልሚቶም ትግራይ ንፅንተት ተቓሊዓ።

ዓወታት ናይ ህዝቢ ክብርታት ፤ ናይ ሊሂቅን ብቕዓት ፍሉይ ጥበብ ናይ መራሕቲ መሰረት ከምዝገብር ኹሉ ውድቀታት እውን ኣብ ህዝቢ ብዘለው ድሕረታት፤ ናይ ሊሂቃን ኣዚዮም ምድካምን መራሕቲ ዘይምህላው/ህዝቢ ምኽዳዕ ዘምፅኦ እዩ። ካብዚ ኣንፃር እቶም ውfhዳት መራሒቲ ኣብ ዓወት ብዝተፈልየ ከም ዝኽበሩ ኹሉ ኣብ ዕንወት እውን ብፉሉይ ተሓተቲ (ግድን ገበን ማለት ኣይኮነን) ዝገብሮም እንተኾነ እኳ ተሓታትነት ኣብቲ ሊሂቅ ብሙሉኡ እዩ ዝዓርፍ።

እቲ ስርዓት እና በሰበስ እንትመፅእ በዝይካ ውfhዳት ኣንፃር ሕመቕ ስርዓት መስዋእትነት ዝኽፍሉ ዝነበሩ እቲ ዝበዝሕ ሊሂቅ ተድናጊሩ መጣቕዒ፤ ወይም ሱቕታ ብምምራፅ ወይም ውfhዳት ተጠቃሚ ስለዝኾኑ ህዝቢ ኣብ ምድሓን ግዲኡ ክፃወት ኣይካአለን። ሊሂቃን ትግራይ ብዋናነት እቲ ሓዱሽ ትውልዲ ናብ ካልእ ካብ ምንቅዕራር (ኩሉ ጥፍኣት ናይ ህወሓት እናፀረፍካ ምውዓል ከምመፍቲሒ ገይርካ ምውሳድ ) እቲ መሰርታዊ ሽግር ናይ ባዕሉ ምዃኑ ተረዲኡ፤ካብ ዓያታቱ ዝውስዶ ተሞክሮ ቐሲሙ ሕመቓቱ ጎልጊሉ ዓኽ እንክፍ ኢሉ ንቕድሚት ክምርሽ ይግባእ። ብስንፍና ሊሂቅ ትግራይ ከምቲ ሶክራቶስ ዝበሎ ኾይኑ ኣሎ። “One of the penalities for refusing to participate in politics is that you end up being governed

by your inferiors”1

ኣብ ትግራይ ብጭብጥ ዝረኣዩን ስውርን ጎንፅታት ክብርታትናን መሰረት ዝገበረ ግን ሳይንሳዊ ብዝኾነ መንገዲ ምፍታሕ ኣብዩና ህዝብና ኣብ ሓደጋ እናሃለወ ጫውጫው ንብል ኣለና። ብጭርሖ ወይ ብኣንፈት ዘይብሉ “ዕርቂ” ዝመዓራረ ኣይኮነን። መሰራታዊ ጎንፅታት ብምፍታሕ ኣቢልካ እዩ ዝዕረ። “ጎንፂ ኣብ ሕ/ሰባዊ ርክባት ንቡር እዩ። ጎንፂ ናይ ለውጢ ሞተር እውን እዩ።”2 ኣብ ዓለም ቆዋሚ ዝበሃል እንተሊዩ ለውጢ እዩ። ባዘይካ ንሱ ሰላም ዝውሕስ ቐፃልነት ዘለዎ ፖለቲካዊ ሰርዓት ክህልው ኣይኽእልን። ኾይኑ ግን ለውጢ ብዘይ ቐፃልነት ህውከት/ ዕግርግር (chaos) እዩ።

1 Socrates Plato, Republic

2 Lederach, John (2003:04) Conflict Transformation, Good Books

ብህወሓት መሪሒነት ኣብ ዝሓለፈ 30 ኣብ ሰላም፤ፖለቲኮ-ማሕበረ-ኢኮኖሚ፤ ዴፕሎማሲ ህዝቢ ትግራይ/ኢትዮጵያ ተቓሊሱ ዘምፀኦ ዓወታት ኣፍልጦ እናሃብናሉን እናተምህርናሉን ብሓደ ገፅ መንንትን ክብርታትን ክምዕቡሉ እምበር ክቕይሩ ስለዘይብሎም “ዱፋዕ ምስራሕ”ን3 ሙሩፅ ለውጢ (selected change) ይኸውን። ። ፓርክር (2005፡ 53) ”ጎንፅታት ናይ ፖለቲካዊ እምነ-ኹርናዕ እዮም” 4

ናይ እዋኑ (proximate) ጎንፅታት ኣፈታትሓ ቐዳምነት ዝውሃቦ እንትኾነ እውን ምስ መሰረታዊ ጎንፅታት እናማዕደወን ንዑ ዝኽውን ባይታ ዘንፅፍን ክኽውን ይግባእ። ኹሎም ጎንፅታት መንነት/ክብርታትን ናዊታዊ ረብሓ መሰረት ዝገበሩ እዮም። ክብዚ ኣይዓብዩን ኣይንእሱን። እቲ ሓደ አብቲ ኻልእ ዝተተኸለ ፈፂሞም ክፈላልዩ ዘይኽእሉ እዮም።

ኣብ ሞንጎ እቲ ኣረጊት ስርዓትን ዝፅነስ ዘሎ ሓዱሽ ስርዓትን መሰረታዊ ዝኾነ ጎንፅታት ክህልው ተፈጥራዊ እዩ። ኣረጊት ስርዓት ማለት ፤ ዝበስበሰ፤ክራይ ኣካብነት ዘንገሰ፤ብኔትዎርክ ዝግናሕን ግዑዙይ ምምሕዳር ማለት እዩ። ዝፅንስ ዘሎ ስርዓት ናይ ህዝቢ መሰላት ማእኸል ዝገበረ፤ግልፅነትን ተሓታትነትን ተሓንጊጡ ናይ ሕጊ ልዕልና ትካላዊ ብዝኾነ መንገዲ ዘረጋግፅ ሰርዓት ማለት እዩ።

ዕርቂ ብምኸንያት ለውጥን ቐፃልነትን ዘለዎም ዲይለክቲካዊ ምትእስሳር ግን የድሊ። እቲ ሕዚ ኣሪጉ ክመዓራረ ዝድለ ዘሎ ስርዓት ገስጋሲ ኣብዝነበርሉ ዘዐዎቶም ስራሕቲ ክብርታት ናይቲ ሓዱሽ ስርዓት እዮም። እዚኦም ጎልጚልካ ኣውፂኢኻ ጎልቢቶም ክቕፅሉ ክግበር ኣለዎ። ዝነበረ እናፍረስና ህዝቢ ክነደሕን ብሔር ክንሃንፅ ኣይከኣልን። ነዚኦም ኣዎንታዊ ስራሓቲ ን ኣብዚ ልዑል ግደ ዝነብሮም ኣፍልጦ እናሃብና ነዞም ንፅንተት ዝዳረጉና መስረታዊ ሕምቓትና እውን ጎልጚልና ብምውፃእን ከይምለሱ ብምቕባርን ናይዚ ቕንዲ ተዋሳእቲ ብምግላልን ነቶም ሓዱሽ ስርዓት ክመርfh ዝኽእሉ ንቕድሚት ክውንጡfh ብምግባር ይፍፀም።

ስርዓት እንትብስብ ብፍላይ ንህዝቢ ንፅንተት እንተቃልዕ ሊሂቃን ብሓፈሻ ላዕለዎት መራሕቲ ብፍላይ ሓላፍነት ብምውሳድ፤ባዕሎም ስልጣን ብምርካብ ዝጅምር መሰረታዊ ናይ ኣተሓሳስባን ናይ ትካላዊነት ለውጥታት ምግባር የድሊ።

በስቢስና ኢልካ ገምጊምካ ኣብ ላዕሊ ሓድ ኽልተ መናሓናሕቲ ኣልጊስካ ኣብታሕቲ ነቲ ስርዓት ዝቃወሙ ቐጥቒጥካ፤ ዝግበር ምንቅስቓስ ናይ ህዝቢ ትግራይ ተቓውሞን ቑጠዐ ንምዝሕሓል ፀረ ቓንፃ መድሓኒት ( pain killer) ካብ ምዃን ኣይሓልፍን ጥራሕ ዘይኮነ ንዕርቂ እውን የዐንቅፍ።

እቲ ናይ ኹናት ጭብጥ ህዋህው ናብ ትግራይ ዘቕንዕ ምልክታት እናተርአዩ ስታድዮም ዝማእኸሉ ጃህራን ምጉfhሓር እንተዘይኮይኑ ዝምጥን ስትራተጂካዊ (ምጥቃዕ፤ምክልኻልን ምዝላቕን) ዘኽእል ምትእርራይ እንተይተተገበረ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኹናት ተዓወጀ። ቖላሕ መላሕ እንተይበሉ ናብ ሜዳ ምውራዶም ክብርታት ዝዓቀቡ ብምዃኖም ክንኣዱ ይግባእ (ገለ ናይ ጎረባቢቲ መራሕቲ ቲዲፍ ቐረበ እንትበሃል ንምህዳም ዝነበር ምሽብሻብ እንትንዝክር)።

ዝበስበሰ ስርዓት ህዝባዊ ዓላማ የብሉን። ናይ ህዚቢ መስረታዊ ሕቶታት መሰረት ገይሩ ክቃለስ ኣይኽእልን። ናይ ክራይ ኣክብቲ ረብሓታትን ናይ ህዝቢ ረብሓታትን ተፃራረቲ ስለዝኾኑ። ስልጣኑ ንምንዋሕ ንህዝቢ ድሕረታት ከሰልፍ ይፍትን። ብምፍርራሕ፤ብምእሳርን፤ንብረት ብምምንዛዕ፤ ብምቕታል ወ.ዘ.ተ ንህዝቢን ደለይቲ ለውጢ ንምዕፋን ብፕሮፖጋንዳ እውን ብምሽምቓቕ ቕንዲ ፍልፍል ናይ መርዛም ፖለቲካ ትግራይ ይኸውን። ካብ ተሓታትነት ንምህዳም ዝበስብሰ ስርዓት ክሕብሕቡ ብዓቕሊ ፅበት ንሕድሕድ ኹናት ዋና መበግሲ ይኾኑ።

ናይ “ስትራተጂክ መሪሒነት ውድቀት” አብ ህወሓት ጥራይ ዘይኮነ ካብኡ ንላዕሊ ኣብቲ ሊህቅ ትግራይ ስለዝኮነ ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ እቲ መንእሰይ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ንለውጢ ዝስለፈሉ ህዋህው እናሃለወ እቲ ናህሪ ለቑዘይዘይ ይብል ኣሎ።

እቲ ናይ ለውጢ ሓይሊ ዝብል እውን ካብ መስፍናዊ ኣተሓሳስባን ኣነነትን ገና መሊኡ ስለዘይተናገፈን ናይ ሓባር ራእይ፤ፕሮግራምን ስትራተጂታትን ሃሊዎ፤ ኣብ ሞንጎ ሓድነትን ለውጥን፤ ቐፃልነት ለውጥን ዘሎ ውጥታት ብዝፈትሕ ፤ ናይ ለውጢ ሓይልታት ኮላይ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዘለው ንምጥማር ዘኸእል ዝተወደበ ስትራተጂክ ዛጊድ ክህብ ኣይካአለን ።

Diamond, Jared (2019) Upheaval, Turning Points for nations in Crisis, Back Pay Books

4

ንህወሓት/ብልፅግና ምፅራፍን ምንሻው ቐንዱ ስርfh ብዝምስል “ጉጅለ ድህረት” ብዝፈጠረሉ/ባዕሉ ብዝፈጠሮ ኻልኣይ ሳልሳይ ኣጀንዳታት እና ተሽክረክረ አካል ናይቲ ናይ ፅለመ ፖለቲካ ይኽውን ኣሎ። ቕንዲ ኣጀንዳታት ማእኽል ገይሩ ዝረአዩ ዘለው ህዝባዊ ሰላማዊ እንቢታታ ሓድነት ተጋሩ ብዝሕሉው መንገዲን ተቐባልነት ዘለውዎ ግልፅነትን ተሓታትን ዝተረጋገፀሉ ስርዓት ንምህናፅ ህዝቢ ኣብ ምእማን ምውዳብን ክንዲዝራባረብ ሽግራቱ ናብ ድገ ብምድብራይ (externalize) ነቲ ናይ ፀለመ ፖለቲካን ናይ ሕድሕድ ኹናት ስግዓትን ይጋድዶ ኣሎ።

ብዝኾነ ፖለቲካ ትግራይ ባንዳ፣ሓዱሽ ገዛኢ ደርቢ፣ፅግዕተኛ ሓይሊ ፣ ጉጅለ ድሕረት ጉልበተይ ጉልበትካ፤ሕረዶም

ግመዶም መደራጉሓት ዝዕብለልዎ ኾይኑ ኣሎ። ገሊኦም መራሒት ተጠቀምትን ናይቲ ዝበስብሰ ስርዓት ባሕሪኦም (ቐደም ንህዝቢ ኢሎም ዝትጋደሉ እዮም) ስለዝኾነ ክእርምዎ ካብ ዝኽእሉል ብርኪ ዝሓለፈ እዩ ዝምስል። ንናይ ህዝቢ መሰል ንቃለስ እና ዝብሉ እንተሊዮም ተሸጙጦ ኣለው ማለት እይኡ። መፍቲfh ብህዝባዊ ሰላማዊ እምቢታ ቦቶኦም ክሕዙ ምግባር እዩ። እቲ ቐልጢፍ ክእርም ዝግቦኦ እቲ ናይ ህዝቢ መሰላት ማእኸል ገይሩ ለውጢ ከምፅእ ዝንቅሳቐ ዘሎ ሓይሊ እዩ።

ቕንዱ ስርfh ነቲ ኣረጊት ስርዓት ምቅላዕን ምብስባስ ዘይኾነ ናይ ህዝቢ መስረታዊ ድልየታት ምፅናዕ ( ህዝቢ ንዓና እዩ ዝደሊ ዝብል ባዕላዊን ድfhር ኣተሓሳስባ ገዲፍካ) ንእዑ መሰረት ገይርኻ ራእይ፤ ፕሮግራምን ስትራትጂታን ሓንፂፅካ ብዴሞክራሲዊን ሱልጡን መንግዲታት ተመሊሶም ሕዝቢ ክውንኖም ገይርካ እቲ ዝጎሓሓር ዘሎ እምቢታታት ሓልሓል ኢሉ መሰሉ ዘርጋግፅሉ ኹንታት ምዕጃብ እዩ።

ብናይ ደገ ኹናት ሰንሰን ዘበሎ ህዝቢ ንእሽተይ እውን ምስኻን እንተይጀምረ ሕዚወን ዶ ናብ ዕፅዋን ክባን ክንኣትው፤ ደቅና ነንሕድሕዶም ዶ ይዋግኡ ዶኾን ብዝብል ኣብ ሻቅሊት ይነበር ኣሎ። ኾነይ መነይ ብዝብል ኣብ ባንኪ ዘለዎ ገንዘብ ክውፅእ ሰልፊ፤ እኽሊን ካልኦት ዘድልይዎ ክገዝእ ዝዳፈአሉ ብሓፈሻ ቕሳነት ሲኢኑ ኣብ ሽብር ይነብር ኣሎ። fhዱር ስእነት ሰናይ ምምሕድዳር እውን ገዲዱ ሰንሰን የብሎ ኣሎ። መተወቂያ ንምርካብ ጉቦ፤መድበርያ ንምግዛእ ውሕብቶ፤ ግልጋሎት ንምርካብ ምስሊነታት ላዕሊን ታሕቲን ዘብሉዎ ኾይኑ ኣሎ። ድኽነት ቐንዲ ናይ ህልውና ሕቶ ኾይኑ ኣሎ። ናይ ደገን ናይ ውሽጢን ናይ ፀጥታ ሽግራት ተውሲኹዎ ትግራይ ናብ መሃሙቕ ኣብ ምእታው ትርከብ ካብ ማንም ግዜ ሰላም ዝናፍቐሉን ዝደልይሉን ናብዚ መሃሙቕ ዘእትወ ስርዓት ክቕየር ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ዝደልየሉ ብፍላይ እቲ መንእሰይ ድልየቱ ምግላፅ ዝጀመርሉ ግን መንገዲ ጠፊኡዎ ዓነውነው ዝብለሉ ኹንታት ይርአ።

) ሓልሓልታ ህዝባዊ ሰላማዊ እንቢታታት (Civil Disobedience) ዕንይንይ ሊሂቃን ትግራይ

ኣብ ትግራይ ድሕሪ መኸተ ኣብዘሎ ደውታ ብምኽንያት ሕዱር ዓፈናን ካብ ደገን ካብ ውሽጢን እዋናዊ ግፍዒታት ዳርጋ ኣብ ኩለን ዞባታት ብዝተፈላለየ ብርክን ስፍሓትን፤ ሰላማዊ ህዝባዊ እምቢታት (ራያ፤ ወረዳ እንደርታ፤ ፅምበላ፤ዓዴት፤ ዕዳጋ ሓሙስ፤ወጀራት፤ ተምብየን፤ ማይ ቅነጣል ው.ዘ.ተ) ተራእዮም እዮም ። ብፍላይ ህዝቢ ራያ ዘርዐዮ ናይ ፅንዓት፤ ውፍይነትን ተወድብካ ምስራሕ ኣብ ታሪኽ ትግራይ ፍሉይ ቦታ ኣለዎ።

ቕድሚ መኸተ እውን ወረዳና ይመልሰልና ብዝብል ድልየት ሰናይ ምምሕዳር ንምእላሽ ኣብ አብ ወረዳታትን እምባሲነይቲ5፤ሳምረ ግጀት ጣብያትን ፤ እግሪ ሓርባ፤ወ.ዘ.ተ ብዝተፈላልየ ብርኪ ዝረአዮ ሰላማዊ እምቢታታት ነይሮም እዮም። ናይ ፅላእቲ መደብ እዩ (ንዓረና ትግራይ እናፀርfh) ብዝብል ብምፍርራሕን ካልኦት ሽርሒታትን ክዕፍንዎ ኺኢሎም።

መበገሲ እምቢታታት ዝተፈላልዩ ኾይኖም ኣካይድኡ ናይ ሓይሊ ጎነፅ ዝይብሉ ነቲ ገዛኢ ሕገ-መንግስቲ ንምቕያር ወይም ብመንግስቲ ተግባራዊ ብዘይሙኻኑ ነቲ ላዕላዋይ ሕጊ ተቐቢልካ ዝውፁ ፖሊሲታትን ሕግታትን ተግባራትን ዘይፍትሓውን ጨቆንቲ እዮም ብዝብል ተግብራዊ ከይኾኑ ወይም ክቕየሩ ዝሓትት እንተድሊ ብተግባር ዝጥሕስ ምንቅስቓስ ህዝቢ እዩ።

ብባህሪኡ ሰላማዊ፤ብውነን ብግልፂ ብህዝቢ ዝካየድ፤ሞራላዊ ወይ ፖለቲካዊ መስረት ዘለዎ ኾይኑ ንምስዋእትነት ዱሉው ምኻን ዝሓትት እዩ። ብመንገዲታት ምዕፃው፤ ሰላማዊ ሰልፊ፤መረፃ ዘይምስታፍ፤ቐረፅ ዘይምኽፋል፤ናይ መንግስቲ ወይ ተሓባብርቲ ግልጋሎት ዝይምጥቃም፡ ሽቐጥ ዝይምግዛእ ው.ዘ.ተ ክግለፅ ይኽእል።

5 ቐድሚ መኸተ ዝነብረ ናይ እምባሲንቲ አብዚ እዋን ዘሎ ናይ ራያን ወረዳ እንደርታ እምቢታት ፍሉያት ምልክታት (Icons) እዮም

ህዝባዊ እምቢታ ብሰላማዊን መንገዲ እንትምራሕ ንሕና ነፃ/ሓራ ኣውፂእናካ ዝበልናካ ስማዕ፤ሓለፋ ይግበአና ዝብሉ ዘይሮም ዘይሮም ቖራዲድ ዝኾኑ መራሐቲ አዐሪዩ ስለዝንኪ ንዘላቒ ሰላምን ቐፃላይ ምዕባለን ዘይንቕንቕ መስረት ይኸውን። እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ ዝመሃረሉን፤ዝተሓጋገዘሉን ናብ ሙሉእ ዓወት ዝስጋገርሉ ኹንታት ገና ኣይተበፅሐን።

ህዝባዊ እምቢታት ማርክሳዊንት፤ሊበራላዊነት ወይም ሶሻል ዴሞክራሲ ብምፅናዕ ብዋናነት ዝምራሕ ኣይኮነን። ዝተማእኸለ ኣመራርሓ ዝይነብሮን ዛጊድ ዝይብሉ ስለዝኾነ አይጭቆንን/ ኣይግዛእን ዝብል አብቲ ሕ/ሰብ ዘሎ ክብርታትን ዝወለዶ ውዳበታት ብምዃኑ ሊህቃን ትግራይ ብዕቱብ ክነፅንኦን ክንመሓርሉን ይግባእ። ካብ ረመፅ ናብ ሃልሓልታ ዝደየበ ጥራሕ ዘይኮነ እቲ ዱጉል ረመፅ ቓልቃል ምባል ዝጅምር ዘሎ ክም ናይ ሽረ ዝበሉ ቕድም-እምቢታታት እውን እንተይነቶጉ ምእንተ ተመሪሖም ናብ ዓወት ክበፅfh ውርድ ኢልና (ግድን ብኣካል ኣይኮነን) ክነፅንኦም ይግባእ።

ትግራይ ናይ እምቢታ ዓዲ እንተኾነት እውን ናይ ገጠርን ከተማ እምቢታት ኣወሃሂድካ ( ናይ ገጠር ዕጥቂ መስደመም ተመኩሮ ኣለዋ) ናብ ዓወት ምብፃሕ ገና እትመሃረሉ እዩ። ጎኒ ጎኒ ናይ ካልኦት ሃገራት/ህዝብታት ተሞኩሮ እናአክብና ኣብ መንነትና ከብርታትና መሰረት ዝገብሩ እምቢታት ምፅናእን ካብ ጠንካራን ድኹም ጎንታት ተማሂርና ቓልሲ ህዝቢ ትግራይ ንምዕዋት ሳይንሳዊ ብዝኾነ መንገዲ ዳህሰሳት ምክያድን ፅሚቕካ ናይ ቓልሲ ኣንፈት ምትሓዝን ይግባእ።

ህዝቢ መሰልና ይተሓልወልና ባዕልና ንባዕልና ክንመሓድር እንተብለስ ካብ ታህዲድ ጀሚሩ ኣደዳ መቑስልትን ሞትን ይኸውን አሎ። ካብቶም ንህዝቢ ትግራይ ክቃለስ ኢሎም ኣብ መኸተ ዝተሰለፉ ገሊኦም መራሕቲን ኣባላት ሰራዊትን ብመስልን ደምን ተጋሩ ክጨማለቑ ይግብር አሎ። ስውእ ሓየሎምና ብህዝባዊነት ዘተመልኦን ብዘምስጥን “ናብ ህዝቢ ዝተኮሰ ናብ እግሩ ዝተኮሰ” ዝበሎ ጊዜ ይውሰድ እምበር ናይዚ ግፍዕታት ተሓተትቲ ሙኾኖም ኣይተርፍን።

ብምኽንያት ስልጣን ምብሓት ዝተውስኑ ፖለቲካዊ መራሕትን “ኮርን ካብ ኮር ንላዕሊን” ( ብዝሓት ከምተናስfh ይግለጽ እዩ)፤ ሰንፈላል ዝብል ዘሎ “ክፍለ-ሰራዊት ካብኡ ንታሕትን” እናተምሗቐ ዝእከብ ዘሎ ናይ “ሰላም ሰራዊት”ን እቲ እምቢታ ናብ ናዕቢ (Insurrection)ን ወታደራዊ ዓመፅ (Insurgency) ዝስነየሉ ኹንታት ክህሉው ይኽእል። እዞም ግፍዐኛታት ብታሪኽን ብህይወቶም ቓል ቓል ምባሎም ኣይተርፍን። ከምቲ ውሩይ ናይ ሰላም ሙሁር ጋልቱንግ (2009፡13) ዝብሎ “ኃይሊ (force) ተፃራሪ ኃይሊ ይወልድ፡፡ ማሕበራዊ ኸይድታት ዲያሌክቲካዊ እምበር በሓደ መስመር ኣይጓዓዙን። ብመንግስቲ ዝግበር ዓመፅ ናይ ህዝቢ ዓመፅ እዩ ዝወልድ” እዩሞ ከንዲዝከኣል ናዕቢን ወታደራዊ ዓመፅ ከይህሉ ኩሉ ዓይነት ፃዕሪ ክግበር ዝግበኦ እንተኾነ እውን ንኹሉ እንተታት ምድላው የድሊ።

ናይ ለውጢ ሓይሊ ንምንታይ ዕንይንይ ይብል ኣሎ?

  • ናይ ሓባር ራእይ፤ፕሮግራምን ስትራተጂታት ዘይምህላው

ፈተነታት እንተሃለወ እውን ገና ኣይማዕበልን። ኣብ ህወሓት ዘለዉ/ዝነበሩ ለውጢ ደለይቲ ዛጊድ ዝረአ ዝተጨበጠ የለን። ተናሓናሕቲ ውድባት ወሎዳዊ ራእይ ሒዞም ክመርfhና ተስፋታት ነይሩ። ገሊአን ውድባት ንሕብር (ውናት፤ዓረና ባዮቶን) መድረኽ ምስ ፈጠሩ ይበል ተባሂሉ ግን ምስ ናይቲ ህዝቢ ፅግምን ንፍታሕ ዝኸዶ ጉያን ዋዒን ዝምጥን ኣይመስልን። ሎሚታት ምጥያሽ ጀሚሩ “ምንቅስቓስ ደለይቲ ለውጢ ትግራይ “ ንዚ ጉድለት ምምላእ ክሳብ ክንደይ ክስድር ይኽእል?

  • ናይ ካልኦት ስምዒት፤ፍርሓትን ስግዓትን ንምርዳእን ዘይምፍታን

አብ ደለይቲ ለውጢ ናብዚ ናይ ሓባር ዕላማ ንምብፃሕ አብቲ ህዝቢ ይኩን ኣብ ካልኦት ውድባት (እንኮላይ ኣብ ህወሓት)፤ ቲዲኤፍን ማሕበራት ዝነበርን ክህልው ዝኽእል ስምዒት፤ፍርሓትን ስግዓትን ንምርዳእን ክንድዝከኣል ንምፍታህን ተዘይኮይኑ ንምቕናስ በቲ ዝግባእ ዘይምፍታን ዓቢዪ ፅገም ነይሩ። ኣብ ውሽጢ ናይዚ ወለዶ ሓይልታትን ካልኦትን።

ኣረጊት ስርዓት ብስትራተጂ ተሳዒሩ መራሕቱ አብ ታክቲካል ምክልኻል አብዝ ነበሩ እዋን፤ ኣብ ምብልሻው ናይቲ ስርዓት ናይ ኩሉና ግደ ነይሩዎ ካብ ዝብልን ለውጥን ቐፃልነትን ኣብ ግምት ዘእተወ ብኽብሪ ዝሳንብትሉ ኣንፈት (ናይ ገበነኛታት ብፍሉት ይረአ) ክንዲ ምምችቻው ናይ ክነጥፍዕኩም ኢና ዘመተ ናብ ታክቲካል ምጥቃዕ ኣሸጋጊሩዎም እዩ። በቲ ሓደ ገፅ ንኽብሪ

ቲዲኤፍን መራሕቱ ዘይምጥን በቲ ኻልእ ገፅ ደማይ ሰራዊት ዘይሓዝካ እሞ ኣብ ሳልሳይ ዓለም ለውጢ ከምዝመፅ ብዝገበርዎን ዘይገብርዎ ዝነበረ ወፍሪ ውፂኢቱ እቶም ንፁሃንን ምስ ገበነኛታት ዝሓውስ ናብ ናይ ለውጥ ታክቲካል ስዕረት ኣምሪfh።

  • ዘይምትእምማን፤ምጥርጣራት ናይ ሺርሒ ፖለቲካዊ ህዋሀው

ብግልፅ ዝተቐመጡ (ብፅfhፍ ይኹን ብቓል) ዕላምታትን መደባትን ዘምይመእማን ምጥርጣራትን እንታይ ደልዩ እዩ? ምስ እንመን (ብልፅግና፤ህወሓት፤ ወ.ዘ.ተ ገሊኦም እማ ናብ ሲይኣይኤ)ናይቲ ናይ ለውጢ ምንቅስቓት ዓንቀፍቀፍ መበሊ ኾይኑ ሎሚ ኣብ ውሽጢ ውድብ ይኹም ምስ ካልኦት ውድባት

  • ብመስፍንነት ዝተለዕጠጠ ኣነነት (Ego)

ናይ ለውጢ ሓቢሩ ንቕድሚት ከይስጉም ናይ ባዕልኻ ዓቅሚ እናጋነንካ ናይ ካልኦት ምንኣስ እዩ። ገና ውድብ ምምስራት እንትጅምር ዓለም ኹሉ ጫውጭው ይብልን ደጋፊ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ከምዝለዎን ብሕታዊ ምፍትሒ ክምዝሓዘ ምጭፋር ይጅምር። ኣነ መራሒ ተዘይኮንኩ ዝብል ዝተመጠጠ ኣዕናዊ ኣነነት ናይ ኻልኦት ዓቕሚ ይብትን እዩ።

  • ሽኻል ዘይብሉ ኣብ ተንቀሳቐሲ ዕላማ ሽንከለል

ህዝቢ ኣብ መስረታዊ ናይ ምንባርን ዘይምንባርን ሕቶ ይርከብ። ብብእዋኑ ብዝህሉው ወይ ኮነ ተባሂሉ ብዝፍጠር “ሸለው ለጋ” ለውጢ ይደሊ ዝብል ኢሊት ትግራይ (ሓለውቲ እቲ ዝብስብሰ ስርዓት እማ ከም ስልቲ እዮም ዝጥቀመሉ) ኣንፈት ቓልሱ ይስሕት ኣሎ። ገሊኦም ኣጀንዳታት ኣይረብfhን ዝበሃሉ ተዘይኮኑ ተለጢጦም ነቲ ህዝቢ ምድሃን ምንቅስቓስ ኻልኣዊ ይገብሩዎ።

II ኣፈፃፅማ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ሓደ መግለፂ ኹንታት ትግራይ

  • ምስ ኩሉ ኹርኳሓቱ ስምምዕ ፕሮቶሪያ ምትግባር መማረፂ ይብሉን

ስምምዕ ፕሪቶሪያ ኣብ ከመይ ዝበለ ዓውዲ ተፈሪሙ? ፌደራል ይኹን ትግራይ ሓዲኦም ሙሉእ ብሙሉእ ኣይሳዓሩን ወይም ኣይተስዓሩን። ሓዲኦም ሙሉእ ብሙሉእ ሲኢሮም ተዝነብሩ ትሕዝቶ ናይቲ ስምምዕ ብመሰርቱ ምተፈለየ ነይሩ። ፌደራል ተዝስዕር መርሒቲ ትግራይ ኢድኩም ሃቡ (surrender) እዩ ክበሃል ነይሩ። ትግራይ ተትስዕር ብመርፃ ዝተጣየሸ መንግስቲ ፀኒዑ ናይ ፌዴራል ኣብ ሕቶ ምኣተወ፤ናይ ፍትሒ፤ግዝኣት፤ወ.ዘ.ተ ጉዳያት ዝተፍፈለየ እዩ ክኾን ነይሩ። ነገር ግን ናይ ሓይሊ ሚዛን ናብ ፌደራል አዓሪዩ ስለዝዛመ ስትራትጂካዊ ምንስሓብ ግድን ነይሩ። ግትርነት ኣወጊዶም ህዝቢ ንምድሓን ብቖራፅነት ንዝፈረሙ መራሐቲ ምስጋና ይግብኦም።

ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ፌዴራል መንግስቲ መዳርግቲ (partner) ትግራይ እዩ። ልክዕ ናይ ኣምሓራ ፋኖ ወይም ናይ ኦሮሞ ኦላ ስምምዕ ኸቲሞም ብሰላም ክንቃለስ እንተይሎም ዝህልው ዝምድና። ነዚ ናይ ሓፂር እዋን ፖሊሲ (0-7 ዓምታት) ትግራይ ፈቲያ ይኹን ዘይደለየት ኣካል ኢትዮጵያ ስለዝኾነት ከም ክልል መጠን በቲ ሕገ-መንግስቲ መሰረት መሰላታ ክተኽብር እናተቓለሰት መሰል ብዘይ ጉቡእ የለንሞ ጉብኣ እናፈፀመት ህዝባ ክትድሕን ይግባእ። መሰላ ክተርጋግፅ እቲ ስምምዕ ዘይተቐደሰ ቓል-ኪዳናት ፋሕ ዘበለ ባዕልና ተዘይሓንሺሽናዮ ደማይ ትግራይ ተደላይት ዝገብራ እዩ።

ምምስራት ሃገረ ትግራይ ክም ባህጊ መርገፂ ዝሓዙ ውድባትን ክፋላት ሕ/ስብን ክምዘለው ዝፍለጥ እዩ። ብኢትዮጲያዊነት ዝቖሶሉ ግን መሰላ ተረጋጊፁላ ኣብ ኢትዮጵያ ይሓይሽ ዝብሉ እውን ኣለው ። ህዝቢ ብሪፍረንድም እንትወሲኑዎ ስብኣዊ መስል ጥራሕ ዘይኮነ ሕገ-መንግስትና ኣፍልጦ ዝሃቦ ስለዝኾነ ዘይግሃስ ክንኽብሮ ዝግባእ መሰል እዩ። ኮይኑ ግን ሎሚ ከም ነፃ ሃገር ንምምሳል (ማንም ዝእውድና የለን፤ ድላይና ንወስን; ንማንም ኣይነፍቅድን ዝዓይነቱ) ዝግበር ሽበድበድ ፖለቲካዊ ቕጽበት (political fantazy) ንህዝቢ ትግራይ ናብ ሙሓሙቕ ዘአትው እዩ። ናይ ፊደራል ስልጣን ክነሕድግ ጠራዕራዕ ኣይንበል። ስለዝተበታተና መሰልና እውን ክንሕሉው ኣይካኣልና። ክውንነት ንቀበል።

ናይ ውሽጢ መሰል ዓርሰ- ውሳነ (ኣብ ኢትይጵያ ኾይና) ይኹን ነፃ ሃገር ምምስራት ዓርሰ- ውሳነ ዝርጋገፅ ሙሉእ ዓቕሚ ሒዝና እንተጠንኪርና ጥራሕ እዩ። ማንም ዝተኹቨልና ኣይኮነን። ኣብ ዓለም ኣብ ዝኾነ ሃገር ህዝቢ ብንቕሓቱ፤ውዳቡን ትካላቱን ብጠቕላላ ዓቕሙ እምበር መራሕቱ ዝተኽቡሉ መሰል የለን።

ዓቕሚ ክነጥሪ መጀምሪያ እታ ኣብ ምፍርራስ ዘላ ትግራይ እቲ ኣብ ድኽነት ዓዘቕቲ ዝሎ ህዝቢነድሕኖ፤ተምዛባልቲ ናብ መረበቶም ተመሊሶም እግሪ ነትክሎም፤ ከም ማ/ሰብ ዝጠፍኡ ዘለው ኢሮፕን ኩናማን ነፃ ነውፅአዮም ወ.ዘ.ተ። ናይ ሕውየት ስራሕቲ ጎተት ይብል ኣሎ ዳርጋ ኣይተጀምረን ክበሃል ይከኣል። ናይ ህፅፅ ሬድኤት ጉዳይ እውን ሕዚ እውን ግዚ ዘይህብ እዩ።

ናይ ኹናት ህዋህው እንተሃለወኳ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ኣብ ዝበዝሕ ትግራይ ተኹሲ ደው ኣቢሉ አሎ። ህዝቢ ናይ ግልጋሎት ተጠቃሚ ኾይኑ አሎ። ስብኣዊ ሓገዝ ክንድትዝድለ ተዘይኮነ እውን ይበፅሕ ኣሎ። ኣብ እዋን ኹናት ኣብ ማእኸል ኢትዮጵያ ዝነብሩ ካብ ሚልዮን ንላዕሊ ተጋሩ ኣብ ሲኦል ይነብሩ ነይሮም ሎሚ ሳላ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ከም ሃገሮም ይነብሩ ኣለዉ። እዚ ዘይነዓቕ ክነስተማቕሮ ዝግባእ ዓወት እዩ። ። ክባን ዕፅዋን ከይትምልስ ግን ህዝብና አብ ስግኣት ይነብር ኣሎ ።

ህዝቢ ኣብ ምድሓን ወሳኒ ግደ ዝፃወቱ አብ ትግራይ ዘለው ተጋሩን ሓፍተ-ፀጋኦምን እንትኾነ እውን ኣብ ማእኻላይ ኢትይጵያ፤ ኣብ ዲያስፖራ ዘለው ተጋሩ፤ ዓለምለኸ ማ/ሰብ ዘይትካእ ግደ ኣለዎም። ኣብ ፌዴራል ዘሎ ሃፍቲታት ትግራይ ብፂሒት ኣለዋ ንሱ እውን ኣብ ምድሓን ህዝቢ ዘይትካእ ግደ ኣለዎ። ከምቶም ካልኦት ህዝብታት ብደምናን ብረሃፅናን ዝተጠረየ እዩ። ውህብቶ ኣይኮነን መሰል እዩ። ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘለው ናይ ምድሓን ገመዳት ኹሎም ካብ ኣዲስ ኣበባን ብፍቓድ ፌዴራል እዮም ክንጥቀመሎም እንኽእል። ኣስመራ ዶ ኣዲስ ኣበባ ይሓይሽ ዝብል ፅውፅዋይ መጥፊኢና እዩ። እንተድሊ ስትራትጂክ/ታክቲካል ምንስሓብ እናገበርና ዓቅምና እናጎልበትና ነኺስና እናተፅመምና ስምምዕ ፕሪቶሪይ ምትግባር እዩ ዘዋፅእ።

ምስ ሻዕቢያን ፋኖንን ኾይና ንብልፅግና ዝመርሖ ፌዴራል መንግስቲ ኣውዲቕና መሰለና ክንኽብር ይግባእ ዝብል ኣብ ሕልሚ ወይ ኣብ ስኻር ኾይንካ ዝሕንፀፅ ፅምዶታት ዘሎ ይመስል። ይከዓል ዶ? ይኹን ንበል እሞ ብልፅግና ይሰዓር ንበል። ንትግራይ/ኢትዮጵይ እንታይ ማለት እዩ? ህወሓት ይኹን ፋኖ ንፁር ናይ ሓባር ዕላማ፤ፍኖተ ካርታን ስትራተጂታት ኣለዎም ዶ? ጥር ትብል ስትራተጂክ መርሒነት ኣብዝይብሉ መፃኢ ዕድል እንታይ ይኾን? ሻዕቢያ ፀረ-ትግራይ/ኢትዮጵያ እዩ። ሻዕቢያ ናብ ደገ ዝልእኾ (export) ወይም ንዓለም ዘበርከቶ እንተሊዩ ኹናትን ኣብ በረኻ/ባሕሪ ዝሰጠሙ ወይም ዘምለጡ ስደተኛታት እዮም።

ሻእቢያ ዝዝውሮ ናይ ሓይልታት ፅምዶ እንተሲዒሩ እኳ ብህዝቢ ተቐባልነት ዘለዎ መንግስቲ ከጣይሹ ዶ ይኸእሉ? ካብ ናይ “ፀላኢ ፅላኢ ፈታዊ” ወፃኢ ናይ ሓባር ዕላማ ኣለዎም ዶ? መንግስቲ ኣልቦ ኢትዮጲያ ( ክትክኡ ዝኽእሉ ተመሳሳሊ ስትራተጂካዊ ዕላማ ዘለዎም ናይ ሓይልታት ግንባር ኣብ ዘይብሉ) ንህዝብታት ኢትዮጵያ ይኹን ንትግራይ ጥፍኣት ዶ ኣይኮነን? ንትግራይ ዓውዲ ኹናት ኣይገብራን ድዩ? ኩሎም ናይ ህዝቢ ዘድሕኑ ገመዳት ምብጥጣስ ዶ ኣይኸውንን? ወይስ ግዲ የብልኩምን ፌደራል መንግስቲ እንተፈረሰን ኢትዮጵያ መንግስቲ ኣልባ ኾይና ኣብ ዕግርግር (chaos) እንተኾነት እውን ሻዕቢያ ማዳበሪያ ኻልኦት እታወታት ሕርሻ፤ ናይ ባንኪ፤ቴሌ፤ኤሌትሪክ፤ነዳዲ ወ.ዘ.ተ ግልጋሎት ከምፀአልና እዩ። ናይ ዓለም ለኽ ዲያስፖራ ሓገዛት ሽግር የለን ብኣስመራ ገይሩ ክፈሰና ድዩ ዝበሃል ዘሎ?

ፋኖ ኣብ መሰል ዓርሰ-ውሳነ ማእኸሉ ሕገ-መንግስቲ ሓደ ዓይነትን ዝተኣሳሰረን መርገፂ ኣለዎምዶ? ምዕራብ ትግራይ፤ ፀለምቲ፤ ራያ ግዝኣት ትግራይ ኢሎም ዶ ይኣምኑ? ሻዕቢያ ካብ ግዝአት ትግራይ ብወነኑ ይወፅእ ዶ? መንእሰይ ትግራይ እቲ ኣብ ሰራዊት ዘሎ ሓዊስካ ምስቲ ፖሊቲካዊ ኹንታት ትግራይ ክስለፎሎም ዶ ይመስሎም? ምስ ህዝቢ ኣምሓራ ይኹን ምስ ፋኖ ብሰላም እንነብረሉ ኹንታት ክንፈጥር ኣለና። ኣብ ኣምሓራ ይኹን ኦሮሚያ ዘሎ ኹናት ብሰላማዊ መንገዲ ንኽፍታሕ ትግራይ ዝዓቕማ ክትገብር ኣለዋ፡፡ ንውዕል ፕሪቶሪያ ዝፃባእ ዝኾነ ተግባር ግን ኣበደን ክኸውን ኣለዎ።

ነገር ግን!! ኣፋፃፅማ ፕሪቶሪያ ዓበይቲ ሽግራትን ግልፅነትን ተሓታትነትን ዝጎዶሎ እዩ ብፍላይ ኣብ ሕገ-መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይን ምምላስን እግር-ምትካልን ተመዛበልቲ። ፌደራል ይኹን ናይ ትግራይ መንግስቲ ሕብሕቢሒቶ እዮም ዝፅዋቱ ዘለው።

  • ግዝኣታዊ ሙሉእነት ትግራይ (ምዕራብ ትግራይ)  “መጨቓጨቒ ማለት ሕገመንግስታዊ ስርዓት ምፍራስን ሓደገኛን እዩ!!

ምዕራብ ትግራይ (ወልቃይትን ፀገዴን) “መጨቓጨቒ” ኸባቢ ኣይኮነን፡፡ ፌደራል ንግዝያዊ መንግስቲ ከርክብ ይግባእ ነይሩ። ንምንታይ? ብሕገ-መንግስቲ (ፌደራል፤ትግራይ፤ኣምሓራ) ዝተኸተመ ብናይ ኣምሓራን ትግራይን ክልላዊ መንግስታት ስምምዕነት ዝተዓፀወ እዩ።

ዓንቀፅ 2 ኣብ ሰለስቲኡ ሕገ-መንግስታት (ፌደራል፤ትግራይ፤ኣምሓራ) ብግልፂ ተቐሚጡ ኣሎ። ዓንቀፅ 2 ናይ ኢፌዴሪ ሕገ-መንግስቲ ከምዚ ይገልፆ ፤ “ዶብ ግዝኣት ኢትዮጵያ ንዶብ ኣባላት እቲ ፌዴራል ዘጠቓልል ኮይኑ እቲ ብመሰረት ዓለም ለኸ ሰምምዕ ዝተወሰነ’ዩ”፤ ናይ ክልል ኣምሓራ ድማ “የአማራ ብሔራዊ ክልል በሰሜን የትግራይ ክልል፤በምሥራቅ የአፋር ክልል፤በደቡብ የኦሮሚያ ክልል፤ብምዕራብ የቤንሻጉል ጉሙዝ ክልልና ሱዳን ያዋሱኑታል” ናይ ክልል ትግራይ ብኸምዚ የቐምጦ “    ብሰሜን ብኤርትራ ፣ ብምብራቕ ክልል ዓፋር [ክልል 2]፣ ብደቡብን ደቡብ ምዕራብን ክልል ኣምሓራ [ክልል

3] ብምዕራብ ብሱዳንን ትዳበው ”

ክልል ኣምሓራ ምስ ኤርትራ ዝዋሰን ግዛኣት የብልናን ኢሎም ኣዳዲዖም ኣብ ሕገ-መንግስቶም ኣቐሚጦም። fhመራ ናይና ክብሉ ኣይእኸሉን። ናይ ክልል ትግራይ ሕገ-መንግስቲ ምስ ሱዳን ይዋሰን ይብል። በበይ ገይሩ? ብወልቃይት ተዘይኮይኑ? እቲ ናይ ፅገዴ/ጠጌዴ ወርዳታት ናይ ወሰን ክርክር “ዳግም ላይመለስ” ብዝርዝር ሪኦም ክልቲኦም ርእሰ-ምምሕዳራት ( ናይ ትግራይን ኣምሓራ) ብዕሊ ኣብ ቕድሚ ህዝቢ ጎንደር ብፊርምኦም ዘርጋገፅዎ እዩ። ካብ ካልእ ሕጊ ኣንፃር ሓደ ኸባቢ ብመን ይመሓደር ነይሩ? ብጀትን ካብይ ይስለዐሉ ነይሩ? ዕላዊ ቛንቛ ኣይናይ ነይሩ? ወ.ዘ.ተ እቲ ኸባቢ ናይ መን ነይሩ መርጋገፂ ይኽውን እዩ።

ፌዴራል መንግስቲ ንምንታይ እዩ ግዝኣት ትግራይ ዘይረክብ ዘሎ ሕንቂሕንቂሊተይ ኮይኑ አሎ።

ሰሊጥ ሃሪፎም “የኛ ነው ካሉ” ፤ ንጉስ ኃይለስላስ ቖርሶም ስለ ዝሃቡና ግዝኣትና እዩ ዝብሉ ገለ ርስተኛታት ኣምሓሩ፤ ናይ ዳሉል ፖታስዮም ሃሪፎም፤ኣብ ትግራይ ይመሓድር ስለዝነብረ ገለ ኽፋል ዓፋር ናይና እዩ ዝብሉ ርስተኛታት ተጋሩ ወይም ቡዝሓት ሹማት ናይ ራያ ኸባቢ ኦሮሚኛ ስለዝኾኑ Kan Keenya (ናህና እዩ) ዝብሉ ኻልኦት ርስተኛታት ሰሚዕኻ ወይም ወለጋ፤ቤንሻንጉል ወ.ዘ.ተ ህልሚ ሪኦም እዮም እሞ ናይና ስለዝበሉ “መጨቓጨቒ” እንተተባሂሉ ነቲ ሕገ-መንግስቲ ጠቕሊልካ ቐዲድካ ምድርባይን ከም ሃገር ሕምስምስ ምእታው እዩ። በዚ ኣካይዳ ኣምሓራ፤ኦሮሞ፤ወ.ዘ.ተ ዝብሃላ ክልላት ኣይህልዋን ማለት እዩ። እቲ ዝገርም ነገር ፌደራል ይኹን ግ.ም.ት ንህዝቢ ትግራይ/ኢትዮጵያ ዕላዊ መግለፂ ኣይተውሃበን።

እዚ ናይ ፖሊሲ ሰነድ ኣጋ ምፅፋፉ ነበር ፕሬዚደንት ትግራይን ናይ እዋኑ ኣማኻሪ ጠ/ሚኒስተር ጌታቸው ረዳ ኣሸንዳ 2017 ብሰላም ምዝዛሙ ኣመልኪቶም ኣብ ፌስ ቡክ ዝጠቅዕዎ “——-“ተፈናቐልቲ ኣነ ዘይለኹሉ ኣይምለሱን” ዝብል ኣሽካዕላል’ውን ወሲኹ ሰሚዐ-ወዲ ወረደ። ወዲ ወረደ ምስ ፌደራል መንግስቲ፣ ብግልፂ እውን ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ታይ ተረዳዲእና ከምዝመፃእና፣ ታደሰ፣ ፍስሃ፣ ዮሃንስ(መዲድ)፣ ምግበ’ውን ምስ ብዓል ብርሃኑ ጁላ ተራኺቦም ብዛዕባ ሉኣላዊ ግዝኣት ትግራይ ከምዝተረዳዳእና ኣፀቢቑ ይፈልጥ እዩ:————————— ምምላስ ተፈናቐልቲን ካልኦት ፕሪቶርያ ተንከፍ ጉዳያት ሽዑ

ዳርጋ ተወዲኦም እዮም ኔይሮም ፤ ልዕሊ 10 ሰዓታት ገዛ ዓፂና እውን ንሱ ኢና ንመያየጥ፣ ዝርዝር ትልሚ ነውፅእ ኔርና:: ናይ ፀጥታ ውሕስና ዝምልከት ተሟጊቶም ተሰማሚዖም ዝምፅኡ ታደሰ፣ ፍስሃ፣ ዮሃንስን ምግበን’ዮም ኔይሮም:: ሕጉሳት ድማ ነይሮም::”

“ብዛዕባ ሉኣላዊ ግዝኣት ትግራይ ከምዝተረዳዳእና ኣፀቢቑ ይፈልጥ እዩ” ን “ናይ ፀጥታ ውሕስና ዝምልከት ተሟጊቶም ተሰማሚዖም ———- ሕጉሳት ድማ ነይሮም” ዝብላ ነቲ ኣብላዕሊ “ፌዴራል መንግስቲ ግዝኣት ትግራይ ከርክብን ይግቦ ተምዛበልቲ ክምለሱ ይግባእ ነይሩ ዝብል እንደገና ክፍተሽ ይግብኦ። እቲ መሰረታዊ ሽግር ናይ ትግራይ መንግስቲን ላዕለዎት ወታሃደራዊ መራሕቲ ዘማላኽት ስለዝኾን ፌዴራል ይኹን ግ.ም.ት ዕላዊ መግለፂ ምስ መርትኦታት ን ህዝቢ ክወሃብ ይግብኦ። ክልል ኣምሓራ ብዝተፈላልየ እዋንን ብርኪን ወልቃይትን ፅገዴ ናይ ኣምሓራ ግዝኣት እዩ ኢሎም መግለፅታት ምውፀኦም ሕጊ-ምጥሓስ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ትግራይን ኣምሓራን ናብ ዝገደደ ቕርሕንቲ ምእታው እዩ። ልክዕ ቕድሚ ኹናት መኸተ ናብ ትግራይ ዝኽይድ መንገዲ ምዕፃው ፌዴራል መንግስቲ ከምዘይራአየ ሱቕ ዝበለ እቲ ናይ ኹናት

ሃዋሁው ዘጎሃሀረ ምእንቲ ሰላም እቲ ኽልል ይኹን ፌዴራል ደው ናይ ምባል ጉቡኦም ክፍፁሙ ይግባእ። ግ.ም.ት ተቓውሙኡ ኣጠናኺሩ ይቐፅል።

  • ተምዛበልቲ ን ግዚያዊ ፖለቲካ መኽሰብ ብመራሕቲ ትግራይ ጂሆተታሒዞም

ምምሕዳር ትግራይ እናተተኸለ ተመዛበልቲ ወልቃይትን ፀገደን ናብ መረበቶም ክምልሱን ክጣየሹን ይግባእ ነይሩ። ኣይተኽኣልን። ግዝኣት ትግራይ ኣምምላስ ዋና ዓንቃፊ ፌዴራል እዩ ኢልካ ሓሲብካ ( ናይ ኣይተ ጌታችው ፅfhፍ ግን ከምኡ ኣይመስልን) ዓቕሚ ምውጋይ ስለዝደኸመ፤ ብሓይሊ እውን ዘይከኣል ስለዝኾነ። እንታይ ንግብር?

ግዝኣት እንድሕር ዘይተመልሰ ተመዛበልቲ ኣብ ሲኦል ምንባር ይቐፅሉ ዝብል ጨቃን ውሳነ ዶ ወይስ ተነፃጻሪ

ደሕንነት ክሳብ ዘረጋግፅና በቶም ተመዛበልቲ ድልየትን ውሳነን ኣስፊርና እግሪ-ብምትካል ንግዝኣትና ንቃልስ? ህዝቢ ማእኸል ዘይግብር ናይ 17 ክፍለ-ዘመን ዌስትፌልያ ናይ ሙሉእነት መሬት (መሬትን ማእኸል ዝገብረ) ኣይፋሉን ኢልና ህዝቢ ማእኸል ዝገበረ ና 21 ክፍለ-ዘመን ንከተል።

“ፖለቲካ ናይ ዝክኣል ጥብብ እዩ” እሞ ካብ ሕማቕ መማራፂታት እቲ ዝቨለፀ ንውሰድ። ኣብ ዘለዉዎ ይፅንfh እቲ ዝሓመቐ መማረፂ እዩ። ዝተማዛበለ ህዝቢ ናይ ቕድሚት ዕድሉ ባእሉ ክውስን ተገይሩ ተነፃፃሪ ውሕስነት ተረኺቡ 6ይ ዓመት ኸርተት ከይብሉ ኣብ 2018 ብዝትማልአ መደብ ምምላስን ንምጥያሽን ክንራባረብ ይግባእ። ዝሳቐ ዘሎ ህዝብና ንዝተፈላልየ ናይ ጉጅለ ረብሓታት ጂሆ አይንሓዞ።

“ህዝቢ ብምድሓን ውድብ ይጥንክር” ዝብል ህወሓታዊ መትከል ጠሊሞም ናይ ሎሚ መራሒቲ መጀመርያ ውድብ ነድሕን ዝብል ድfhር “ስልጣና ነድሕን” ዝዓይነቱ ኣካይዳ “ተመዛበልቲ ድሕሪ ጉባኤ” ብዝብል ተመሓሊፉ። ነበር ምክትል ፕሬዚደንት ክሳብ ኣነ ሙሉእ ዝኸውን ብዝብል ድዮም ዘጛትትዎ ዘለው ዝብሉ ሕቶታት ይለዓሉ ነይሮም። ሒዚኻዓ እቲ ብዶ/ር ደብረፂዮን ዝምራሕ “ኮማንድ ፖስት” ናተይ ካድረታት እቲ ምምሕዳር እንድሕር ዘይቆፃፅርዎ ( ልክዕ ህዝቢ ብናይ ስእነት ሰናይ ምምሕዳር እናተለብለበ ድሕሪ 12 ዓመታት እውን መረፃ ዝኸልከሉ) ብዝብል ድዮም ‘ጅሖ” ሒዘሙዎ ዘለው፡

ነበር ይኹን ናይ ሕዚ ፕሬዚዴንታት ዝህብዎ ዝነብሩን/ዘለዉን ተስፋታት ንምንታይ ባዶ ኾይኑ? ካብቶም ክልተ ሰለስቲ ቐንዲ ዉራዮም ገይሮም ዶኸ ይወስድዎ? ኣብ ኣናእሽቶይ ጉዳያት እንተይትረፈ ኣብ ኣኼባ ወደኽደኽ ክብሉ ይረኣዩ ቐንዲ ስርሖም ምኻኑን ናይቲ ህዝቢ ስቓይ ይዝንግዕዎ ኣለው ማለት ድዩ? ፍኖቶ ካርታ፤ ንእዑ ዝመርሕ ውዳበን ቐፃሊ ክትትልን ኣለዎዶ? ንምንታይ ግልፅነትን ተሓታትነትን ዘየለ?

ከምቲ ነበር ፕሪዚደንት ኣይተ ጌታቸው ኣብ ላዕሊ ዝገለፅዎ ብኻልኦት መራሕቲ እውን ይስማእ ነይሩ ተመዛበልቲና ብተነፃፃሪ ውሕስና ተመሊሶም እግሪ ተትተኽሉ ህይውቶም መድሓኑ ነይሮም ጥራሕ ዘይኮነ ግዝኣት ትግራይ ንምምላስ ዘኽእል

ዓቢዪ ዘይንቕነቕ ባይታ (fait accompli) ምፈጠረ ነይሩ። እንታይ እሞ ይኹን ን ግዚያዊ ፖለቲካ መኽሰብ ብመራሕቲ ትግራይ

“ጂሆ” ተታሒዞም እንዶ!!

ሊሂቃን ትግራይ (ብዘይካ ውልቀሰባት) እውን ካብቶም ቐንዲ ውራያትና ሓደ ገይርና(ናይ ኩናማን ኢሮፕ ሓዊስካ) ቐትሪን ለይቲን ተራባሪብና ህዝብና ኣብ ምድሓን ክንዲንራባረብ ወይ ሱቕ ባሃልቲ ኾይና ወይ ኣብ ካለእ ኣጀንታታት ተፀሚድና ንታሪኽ ዝተርፍ ጥልመት ንጥሕል ኣለና።

  • ኤርትሪያ ካብ ግዝኣት ትግራይ/ኢትዮጵያ ክወፅእ ነይሩዎ

ህዝብታት ኢሮፕን ኩናማን ከምህዝቢ ይጠፍእ እዩ ዘሎ። ኣብቲሕቲ ሻዕብያ ዘሎ ካልእ ህዝብና እውን ኣብ ሓሰርን መከራ ይርክብ። ገለ ጠላማት መራሕቲ ንናይ ሻዕቢይ ሕሽክርና ገፀ በረከት ንምሃብ “ ብወራር ሒዝዎ ዘሎ መሬት ናቱ እዩ ብዝምስል” ናይ ኣልጀርስ ስምምዕነት ንምትግባር የልዕሉ ኣለው። ናይቲ ስምምዕ ውፅኢት ንናይ ትግራይ ረብሓታት ዝፃርር እዩ። ካብ ዓለም-ለኸ ሕጊ ኣንፃር እውን ሻዕቢያ ባእሉ ገና ካብ መጀመርኡ ዘፍረሶ እዩ። ኣብ ናይ ፅንተት ኹናት ንትግራይ ምውራሩ “ስለዝተዓደመ” ንውዕል ኣልጀርስ ኣየፍረስን ኢሎም ድዮም ክከላኸሉሉ?።

እንትሰ ብዲፕሎማሲ ወይም ብምፍርራሕ/ ሓይሊ፤ ብሻዕቢያ ከም ህዝቢ ዝጠፍእ ዘሎ ነድሕን። ምክልኻል ሃገርን ቲዲኤፍን ሓቢሮም ተዝሰማዕ ሻዕቢያ ሃዲሙ ናብ መርብቱ ምተመለሰ ይመስለኒ። ህዝብና ካልእ መፍትሒ እንተየቐመጥካ

ንውዕል ፕሪቶሪያ ብምፅራር ኢፌዴሪ ምክልኻል ወሰን ሃገር ክሕሉው የብሉን ዝብል ህዝቢ ክውዳእ ዝፈቅድ ኣካይዳ ነወግድ። ኣብ ማእኸል ኢትዮጲያ ዝነብሩ ተጋሩ አብ እዋን ኹናት ኣብ ሲኦል ይነብሩ ነይሮም። ሕዚ መቺውዎም እንተዘይተብሃለ እኳ ከምሃገሮም ይነብሩ ኣለው። ንምንታይ? መኸተ ህዝቢ ትግራይ ዘስዐቦ ለውጢ ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ። ምክልኻል ሃገር ኣብ ዶብ እንተሰፊሩ ምእንቲ ንባዕሉ እውን ህዝቢ ኢሮፕ፤እገላ፤ኩናማ ው.ዘ.ተ ይከላኸል።

  • ነዳዲን ሸቐጣት ወ..ተ ምቕናሰ ምጉታት ንሰላም ዘራጊ እዩ (ኮነ ተባሂሉ እንተኾይኑ ወንጀል እዩ)

ከም ንዳዲ፤ ሸቐጣት ወ.ዘ.ተ ዓንቀፈቀፍ ደው ክብል ይግባእ። መሰል ተጋሩ ምግሃስ ስለዝኾነ ጥራይ ዝይኮነስ ናይ ህልውና ጉዳይ ስለዝኽነ። ፌዲራል ክንዲዝከኣል ብሱሉጥ ክቐርብ ምግባር ጉቡኡ እዩ። ኾነ ኢልካ ንምዕንቃፍ እንተተገይሩ ወንጀል እዩ። ካብ ፖሊቲካ ኣሰላልፋ ኣንፃር እውን ፌደራል ፅላኢ ምብዛሕን ነቶም ምስ ሻዕቢያን “ፅምዶ” (ምሰ ህዝብታት ዝግበር ፅምዶ ዝተቐደሰ እዩ) ክፈጥሩ ዝንቀሳቐሱ ውንጀለኛታት እውን ነብሲ ክዘርኡ እዩ ዝግበር።

ካብ ድኽነት ንምድሓን እንግብሮ ምንቅስቓስ ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘለው ገመዳት በፌደራል ስለዝሓልፉን፤ መሰል ስለዘለና ኣካል ኢትዮጵያ ስዝኾናን ብስምምዕ ፕሪቶሪያ ብኡ ኣቢልና ብሕግ-መንግስቲ ዕላዊ ቓል-ኪዳን ስለዝለናን ዓቕምታትና እናደልደልና ብሰላማዊ መንገዲ ጉቡእና እውን እናፈፀምና ክንቓልስ ይግባእ

  • ሓቛፊ ግዚያዊ መንግስቲ ከድጡ ወደ ማጡ

ዘይተፀንአ፤ ዘይተሓሰበሉ ደመነብሳዊ ምስ ናይ ውልቀ ስልጣን ምሕላውን ካብ ተሓታትነት ንምድሓን ዝተላዕጠጠን ዝደፍኦ ውሳነታት ቕድመ-ኹናት፤አብ ኹናትን ድሕሪኡን ትግራይ ንምፍርራስ ዘብቀዐ ኾይኑ ኣሎ። ውዕል ፕሪቶሪያ ንቀበሎ ኣይንቀበሎ ሰንፈላል፤ “ተቐብልናዮ” ምስ ተብሃለ እውን እታ ሓቛፊ እትብል ንምብርናዕን ናይ ውልቀ ሰባት ናይ ስልጣን ፃምእ ንምርዋይን ብጣዕሚ ብዘሐፍር መንገዲ መንግስቲ ምጥያሽ ተጓቲቱ። ርእሰ-ምምሕዳር ኣብ ምሕራይ እውን ነቲ መንፈስ ስምምዕነት ብምፅራር “ናይ ብልፅግና ሉኡኽ” ብምባል ነቲ ምስ ፌዴራል ዘሎ ርክብ ምዝራግ ናይ ባዕሎም ተራ ተፃዊቶም።

ህዝብ ኣብ ሓደጋ እናሓለወ ናቱ ኣጀንዳ እንተየልዓሉ መዓልትታት ዝርግፍ። ምንቕቓፍ ናይ ዲስፕሊን ጉድለት መአረሚ ምኻኑ ተሪፍ ስትራተጂክ መሪሕነት ውድቀት ከምዝፈጥር ዘርፍጥ ኢልካ ቂምካ መዋፂ ኾይኑ ብጠቕላላ 40-60 ወርቃዊ መዓልትታት ባኺኑ ተቖሳሲሎም ወፂኦም። ስትራተጂክ መሪሒነት “ክፈጥሩ” ውድብ “ከድሕኑ” ነቲ ደመነብሳዊ ኣካይድኦም ዝበለፀ ከርጋግፁ “ጉባኤ” ፍንጭልጭ በሉ ሕዚ እውን ይቕፅል ኣሎ።

“ሓደ ህዝቢ፤ሓደ ሰራዊት፤ሓደ ውድብ” ዝብል ፀረ-ሕገመንግስቲ ትግራይ ናይ ዘበን እኒ እኒ ኣተሓሳባ ሒዞም ስልጣኖም ብሓይሊ ብረት ከርጋግፁ (ራያ፤እንደርታ፤ዓዴት፤ ፅምብላ ወ.ዘተ. መርአያ እየን) ትግራይ ይዘርጉዋ አለዉ።

ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝፈፀሞ ፅንተት ኣየናሰሐንን ኢሉ ብጃሀራ ዝዛረብ ኢሳይያስ (ሱቕ ክብል ይኽእል

ነይሩ) ፤ መሰል ዓርሰ ተጋሩ ብመትከል ዝፃረር፤ ምስ መንግስቲ ኤርትራ፤ሻዕቢያን ኢሳይያስን ፅምዶ ንምግባር ሸበድበድ ይበሃል ኣሎ። ካብ ድኽነት ምድሓን ፤ ምዕራብ ትግራይ ይኹን ወሪርዎ ዘሎ ግዝኣት ኣብ ምምላስ አሉታዊ እምበር ኣዎንታዊ ግደ ዘይብሉ ንስምምዕ ፕሪቶሪያን ዝፃርር ጥራሕ ዘይኮነ ትግራይ ዓውደ ኹናት ዝገብር እዩ።

ብውዕል ፕሪቶሪያ መስረት ሓቛፊ ግዚያዊ መንግስቲ ንምጥያሽ ፌድራል መንግስቲ ዳርጋ ትግራይ ኣብ ውሽጡኹም

ወዲእኹም በኣና ክፅድቕ ዝብል ኣዎንታዊ ኣንፈት ተኸቲሉ ( ብልፅግና ይኹን ካልኦት ኣብ መኸተ ኣሉታዊ ግደ ዝነበርን ፓርቲታት ትግራይ ኢና ዝብላ ክሳተፋ ብፕሪቶሪያ ዝኽልክለን ኣይንበርን)። ምስ ኩሉ ጉድለታቱ ኣብ ዘበናዊ ትግራይ ተራእዩ ዘይፈልጥ ውሱን ይኹን ሓቛፊ ዝመስል መንግስቲ ተጣይሹ። ዝሓሸ ፖሊቲካዊ ህዋህው ተፈጢሩ ነይሩ።

ናይቲ መንግስቲ ተቐባልነት ንምዕባይ ግልፅንትን ተሓታትነትን ንምርግጋዝ ተባሂሉ ገና ኮንፈረንስ ክጅመር እንተሎ ናይ ሓቛፊ ቤት-ምኽሪ ምጥያሽ ተላዓሉ ክትዕ ተገይሩሉ ነይሩ። “እዚ ዓይነት ቤት-ምኽሪ ምጥያሽ ንህወሓት ንምፍራስ እዩ”ብዝበል በርኒዑ። ሓቛፊ ቤት-ምኽሪ ን ህወሓትን ተፃረርቲ እዮም ማለት ድዩ? ኾይኑ ድሕሪ ኽንደይ ዒኒኒይ ኣብ መጨረሻ ናይቲ ቐዳምይ ፕሬዝደንት ግዜ ተጣየሸ። ስልጣኑ አማሓይሽካ ዘይነብራ ውድባትን ሕ/ሰባዊ ኽፋላትን ሓውስካ ንቕድሚት ኩሱጉም ተስፋ ተገይሩ ነይሩ እንደገና በርኒዑ።

ናይቲ ዝነበረ ፕሬዚደንትን ካቢኑኡን ግዚ ኣኺሉ ክናዋሕ ወይ ብኻልእ ክትካእ ነይሩዎ። ምስቲ ዝነበረ ቤት ምኽሪ ተላዚብካ ማለት ኸልተ-ሰለስተ ሕፁያት ቐርቦም በቲ ዝምልከቶ ተዝፀድቕን እቲ ካቢኔ ካብቲ ዝነብረ ዝበለፀ ሓቛፊ ተዝኸኦውን ይምረፅ ነይሩ። ኣይኮነን። ጭላንጭል ሓቛፋይነት ጠፊኡ ካብቲ ዘነበረ ሉሙስ ዝገደደ ሕሙስ ዳርጋ መንግስቲ ኣልባ ኾይኑ ክሳብ ምባል ተበፅfh አሎ።

III ኹናት; ኣሰላልፈ ሓይልታት ድሕሪ ኹናት ሀ) ተፈጥሮ ኹናት

ውሩይ ፈላስፋን ወተሃደራዊ ክልሰ-ሓሳባዊ (theorist) ጄኔራል ካርል ፎን ክላውዝዊዝ; “ኲናት መቐጸልታ ፖለቲካ ብኻልእ መንገዲ እዩ”:: “ኩናት ኣካላዊ ግጥም (Physical clash) ጥራሕ ዘይኮነ ምስ ፖለቲካን ሰብኣዊ ስምኢታት ብዓሚቑ ዝተኣሳሰረ እዩ” ብዝብል እውን ይገልጾ። ኹናት እቲ ዝለዓለን ዝበልሐን ፖለቲካ እዩ ተባሂሉ እውን ይትንተን እዩ።

ኹናት ኹንታት ዕጥቃዊ ግጭት ኾይኑ ኣብ መንጎ ብሔራት/ሃገራት/ጥምረታት ወይ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ዝካይድ እዩ ። ፖለቲካዊ፡ ግዝኣታዊ፡ ቁጠባዊ፡ ስነ-ሓሳባዊ ወይ ሃይማኖታዊ ወ.ዘ.ተ ምኽንያታት ዝለዓሉ ጎንጽታት ብሰላማዊን ዲፕሎማስያውን መንገዲ ምፍታሕ እንትኣቢ ይኽሰት። ባህሪ ኲናት ዝተሓላለኸ ብዙሕ ኣንፈታት ዘለዎን ኾይኑ ኣብ ታሪኽን ባህርያትን ደቂ ሰባት ኣዝዩ ሱር ዝሰደደ እዩ።

እዛ ዓለም ናይ ጉልበተኛታት እያ ብዘማላኽት ተፈጥሮ ኹናት ቱሲዲዳስ “ሓያላት ዝከኣሎም ይገብሩ ድኹማት ድማ ግድን ይሳቐዩ” ብኸምዚ ይገልጾ እንትትብል ማርጋሬት ኹናት ምጅማርን ምውዳእን ዝምልከት ድማ “ኹናት ከምቲ እቲ ጥምረት ኣብ ዒራቕ ዝተረደኦ ናይ ገዛእ ርእሱ ናህሪ ዝወስድ ኮይኑ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ደው ምባል ንምጅማር ዝቐለለ እዩ”። 6 “ኲናት ኣብ ታሪኽ ካብቶም ቀወምቲ ሓደ ኾይኑ፤ ብስልጣነ ወይ ዴሞክራሲ ኣይቐነሰን ። ኣብ ዝሓለፈ 3421 ዓመታት ዝተመዝገበ ታሪኽ 268 ጥራይ እየን ኲናት ዘይነብረለን”።———————————————– ሰላም ዘይርጉእ ሚዛን (unstable equilibrium)

እዩ። ኣፍልጦ ብዝተዋህቦ ልዕልና (acknowledged supremacy) ወይ ማዕረ ሓይሊ (power) ጥራይ እዩ ክዕቀብ ዝኽእል።” 7

ለ) ፍትሓውን ዘይፍትሓዊ ኹናት፦ መሰልካ ንምክልኻልን ናይ ካልኦት መሰላት ንምጥሓስ ዝግበር ዓመጽ ማእኸሉ ዝግበር ዝትዋደደ ምንቅስቓስ

ዘይፍትሓዊ ኹናት ምእንቲ ናይ ውሕዳት ገዛእቲ ረብሓታት ኣንጻር ካልእ ህዝቢ/ህዝብታት መንነትን ክብርን፤ ፖለቲካዊ፡ማሕበረ፡ኢኮኖሚያዊ ወ.ዘ.ተ ብጠቕላልኡ ናይ ካልኦት መሰል-ዓርሰ ንምግሃስ ዝግብር ዘይሕጋዊን ሞራል-ኣልቦ እዩ። ፍትሓዊ ኹናት ናይ ሕነ-ምፍዳይ መንፍስ ዘይብሉ ሰላምን ፍትሕን ንምንጋሥ ዝዓለመ እዩ ።

ፍትሓዊ ኹናት ከካይድ ዝግደድ ክንዲ ዝከኣል ኩሉ ሰላማዊ ኣማራጺታት ከም ዲፕሎማሲን ደርድር ምስ ተጸንቀቐ ጥራይ እዩ። ፖሊሲን ኣካይዳ ኹናትን ኣብ መንጎ ሕጋዊን ወተሃደራዊ ዒላማታትን ሲቪላትን ዝፈልይ ፤ሲቪል ዒላማ ዘይገብር፤ ኣጠቓቕማ ሓይሊ ምስ ዕላማታት ዝመጣጠንን፤ ዘየድሊ ዕንወትን ስቓይን ዝቑጠብ ን ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ምሩኻት ዘኽብርን እዩ።

6 MacMillan, Margaret, (2020), War : how conflict shaped us, Random House,New York

7 Will & Ariel Durant (1996), The lessons of History, Simon&Schuster Paperbacks

ዘይፍትሓዊ ኹናት እዚኦም መትከላት ጥሕስሕስ ዘብል ኾይኑ ግብረ-መልሲ ብምፍራሕ ወይም ብዓለም-ለኸ ሕጊ ንዘይምሕታት ክቑጠብ ይኽእል።

ናይ ህዝቢ ትግራይ መንነትን ክብርታትን ተሓንጊጡ ብንጹር ፖሊሲን (ህዝብን ጸላእትን ምፍላይ) ኣካይዳ ኹናትን ተዓጂቡ ነቶም ናይ ፍትሓዊ ኹናት መመዝኒታት ዘማልኡ ውfhዳት ቓልሲ ህዝቢ ትግራይ ሓደ እዩ። ካብ ዘላቶ እናካፈል ዝግብኦ ክብሪ እናሃበ ህዝብታት ኣምሓራን ዓፋርን ልክዕ ከም ህዝቢ ትግራይ ደጀን ብምግባር ኣብ ማእኸላይ ኢትዮጵያ እውን ብተመሳሳሊ ኣምባሳደር ናይ ፍትሕን ሰላምን ኮይኑ ነይሩ ሰራዊት ህወሓት ኣብ ኻልኣይ ወያነ ።

ቲዲፍ መን እዩ ኢሉ ክድህስስ ዝፈትነ ሓደ ኢትዮጵያዊ ሙሁር ሰራዊት መኸተና ህዝባዊነቱ ሞዴል ናይ ፍትሓዊ ኹናት ሰራዊት ሙዃኑ ኣረጋጊጹ። ኣብ ውዕዉዕ ኦፖሬሽናት ካብ ደሴ (ወሎ) ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኸዱ ብሓፈሻዊ ሞዴል ኣገባብ (random sampling) ዓሰርተ ሰባት ይሓትት። 8ኢም ክኣምኖ ክሳብ ዝኣብዮ ኣዎንታዊ መንነት ተጋደልትና ይገልጹሉ። እቶም ኽልተ ገለ ቐንጠብጠብ ዝበሉ ሲብል ዘጋፉዑ ነይሮም ኢሎም። ካብ ብሱል ጥረ ምዓዝ ይሰዓን ኾይኑዋ ምእንታን ክእረም ካብኡ ንላዕሊ ዝሰፍሐ ከይህሉው ምጽንዑ ከድሊ እዩ።

ንቲዲኤፍ ከጸልሙ ናይ ሓሶት መርዳእታ ክእክቡ ፈቲኖም ክፍሽሎም እንተሎ እንትትዕዘብ እታ ዳህሰሳ ክሳብ እንደየናይ ናብ ሓቂ ዝተጸገዕት ምኻና የመላኽት ። ሚኢቲታት ኣሻሓት ብግፍዒ ዝተቐተልሉ፤ ኣዴታቱ ኣሓቱን ብኣሰርታት ኣሻሓት ዝተደፈራሉ ኹነታት ዝወጸ እሞ መንእሰይ ኣያም ዘብል እዩ።

) መልክዓ ምድሪ ኹናትን

“እንነብረሉ መሬት ወትሩ ምስ ቐረፀና እዩ (shaped us) ። ዳርጋ ኣብ ኩሉ ክፋል ምድሪ ዘለዎ ህዝብታት ዘካይድዎ ኹናት፣ ስልጣን ፤ፖለቲካን ማሕበራዊ ምዕባለን ዝቖረጸ እዩ።” the highways and byways of geopolitics ጽርግያታትን ጎደናታትን ጂኦፖለቲካ ዘለናዮ መልክዓ ምድሪ ንመራሕቲ ውfhድ ምርጫታትን ክህልዎም እንተገድድ ተዓጻጻፍነት አዐርዩ ውሱን ዝገብር እዩ::8 ናይ ትግራይ ጂኦግራፊ ኣብ ኢትዮጵያ፤ቐርኒ ኣፍሪካን ቐይሕ ባሕሪ ንኹናት፣ስልጣን ፤ፖለቲካን ማሕበራዊ ምዕባለን ፅልውኡ ከመይ ይምዘን።

) ኹናትን ህንጸት መንግስትን

ትግራይ፤ኢትዮጵያ፤ ኤርትሪያ ኢልካ እውን ቐርኒ ኣፍሪካ ንቡዙሕ ዓመታት ነንሕድሕደን ይኹን ኣንጻር ናይ ደገ ሓይልታት ወይም ብኦም ዝተመወሉ ሰፋሕቲ ኹናታት ተኻይዶም እዮም፥፥ ኣብ ሕድሕድ ትውልዲ ሓደ ወይ ኽልተ ህልቂት ኣጋጢሙ እዩ፥፥ ሕዚውን ይቕጽል ኣሎ፤፤ ብትግራይ ፥ዓይኒ አንትርአ ምስ ቑጽሪ ህዝቡ ዘይምጥን መቕዘፍት ኣጋጢሞም እዮም ንምንታይ? ስለዝትረግምና፤ፉሉያት ስለዝኾና ወይስ ኣካል ኢትዮጵያ ስለዝኽንና? ናይ ባዕልና ሃገር ስለዝይወነና?

ውሩይ ናይ ስነ-ማሕበረሰብ (sociology) ፖለቲካዊ ሳይንቲስትን ቻርለስ ቲሊ: ኹናትን ህንጸት መንግስትን ዘለዎም ምትእስሳር ብኸምዚ ይገልጾ፦ “ኲናት ንመንግስቲ ይስርሕ መንግስቲ ኹናት ይስርሕ (ይካይድ)” “war made the state, and the state made war.” ።9 ቐንዲ ሓሳባቱ ብዞም ዝስዕቡ ክጠቓለሉ ይኽእሉ

ሀ) ኲናት ከም መንቀሳቐሲ ህንጸት መንግስቲ (War as a Driver of State Formation)

8 Marshall,Tim Prisoners of Geography,Simon &Schuster ebook

9 Tilly, Charles, (1992), Coercion, Capital, And European States, Blackwell Publishing

  • ኣብ መንጎ መበል 16ን 18ን ክፍለ ዘመን ኣብ ኤውሮጳ ኲናት ምክያድ ዝነበረ ጸቕጢ፤ ገዛእቲ ዝተማእኸላን ዝያዳ ዝሓየላን መንግስታት ክሃንጹ ዘገድድ ኹንታት ተፈጢሩ ።
  • ገዛእቲ ኹናት ንምምዋል ጸጋታት ዘድልዮም   ስለዝነበረ ፤ ኣብ ግብሪ ፤ ምምሕዳርን ትሕተ-ቕርጽን ምህዞታት ኣምሪfh።

ለ)  ምምዝማዝ/ምውጻእን ምግዳድን (Extraction and Coercion)

  • መስርሕ ህንጸት መንግስቲ ኣብ ምምዝማዝ/ምውጻእን ሃፍቲ (ግብሪ)ን ኣጠቓቕማ ምግዳድን (ወተሃደራዊ ሓይሊ) ዝተሰረተ እዩ ነይሩ
  • ገዛእቲ ካብ ህዝቦም ሃፍቲ ብብቕዓት ንምምዝማዝ/ምውጻእን ብሙሉእነት ክትግበርን ቢሮክራሲታት ኣማዕቢሎም ሐ) ምርግጋጽ ህላወ ናይቶም ዝበቕዑ መንግስታት (Survival of the Fittest States)
  • ቐጻልነት ብዘለዎ ጸጋታት ዓብይቲ ሰራዊታት ክሕዛ/ከማሕደራ ዝኸኣላ መንግስታት ጥራሕ እየን ኣብቲ ተወዳዳሪ ሃዋህው ኤውሮጳ ክዘልቃ ዝኸኣላ
  • ዝደኸሙ ፖለቲካዊ ኣካላት/ መንግስታት ወይ ፈሪሶም ፤ተዋሒጦም፡ ወይ ድማ ናብ ዘበናዊ ሃገራት እንተይማዕበላ ይተርፋ

መ) ከይዲ ምስረታ መንግስቲ ከም ዝተወደበ ገበን (State-Making as Organized Crime)

  • ህንጸት መንግስቲ ምስ ዝተወደበ ገበን የነጻጽር። ብዙሕ ግዜ ገዛእቲ ከም ንትርፊ ብዘይቕንዕናን ምትላልን ዝሳተፉ (racketeers) ኾይኖም ይንቀሳቐሱ ። ጸጋታት ንዝህብዎም ህዝቢ ሓለዋ ከም ዝገብሩን ጎኒ ንጎኒ ግን ናይ ውሽጢ ይኹን ናይ ደገ ስግዓታት/threats ብሓይሊ ከጥፍኡ ይጽዕሩ።

ሰ) ጽልዋ ኲናት ኣብ ትካላት (War’s Impact on Institutions)

ምክያድ ኹናት (Warfare) ዓንዲ ሕቖ ናይ ዘበናዊ መንግስቲ ዝኾኑ ከም ትካላት ስርዓተ ግብሪ፤ ናይ ሕጊ ኮድ (Legal code) ምምሕዳራዊ መሓውራትን ኣብ ምህናጽ ዓብዪ ተራ ነይርዎ ።ምስ ግዜ ኲናት ናይ ምክያድ ዓቕሚ ንምቕራብ ህዝባዊ ኣቑfhትን/ግልጋሎት (public goods) ምስፍሕፋሕ ናይ መንግስቲ ተግባራትን (functions) እውን ኣመቻቺኡ እዩ።

ታሪኽ ኣመሰራርታ ዘበናዊ መንግስታት ኣውሮፓ ከም ኣበሃህላ ቻርለስ ቲሊ ካብ ኣስታት 200 ኣናእሽተይ መንግስታት በዚ ኹናትን ህንጸት መስርሕ እናተጨፍላልቓ ናብ ውሕዳት (ሎሚ 44) ኮይነን ኣለዎ። እዚ መስርሕ እዚ ኣብ ኣውሮፓ (ኣብተን ቐዳሞት ስልጣነታት ከም እኒ ቻይና እውን) ብሔረ-መንግስቲ (nation-state) ዘይኮናስ ብሔራዊ-መንግስታት (National- state) ጥራሕ ክህልዋ ገይሩ። ስዊድንን ኣየርላንድ ጥራሕ እየን ናብ ብሔረ- መንግስቲ ክጽግዓ ዝኽእላ ይብል ቲሊ።

እዚ መስርሕ ድኹማት ትካላት ኣብ ህንጸት መንግስቲ ዝፈጥርኦ ብድሆታት ብፍላይ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ብጎንጺ ዝተቓላዓ ዞባታት (conflict-prone) ከም ቐርኒ ኣፍሪካ ዘርኢ እንትኾን ግዳማዊ ጸቕጢ (ንኣብነት ኣህጉራዊ ውድድር) ኣብ ውሽጣዊ ህንጸት መንግስቲ ብኸመይ ከተሓላልኾ ከምዝኽል ምግንዛብ የድሊ

) ገለ ተሞክሮታት ኣሰላልፋ ሓይልታት ድሕረኹናት

ትግራይ ኣብዚ ኣስታት 80 ዓመታት ብቐዳማይ ወያነ፤ኻልኣይ ወያነን እዚ ናይ ጽንተት ኹናትን ምስ ማእኸላይ መንግስቲ (ሹማሹም ብዘይገድስ ፌዴራል፤ ማእኸላይ ወ.ዘ.ተ) ኻልኣይ ወያነ ንኻልኦት እውን ኣሰሊፋ ብዓወት መሰስ እንትብል ኣብቲ ቐዳማይ ስዕረት ተሸኪማ ኣብ ናይ ሕዚ ጽንተት ኣጋጢሙዎ ክትድሕን ጽዓርዓር ትብል ኣላ።

ንምድሓን ወሳኒ ዓቕማ ውሽጣዊ እንትኾን ካብኡ ዝቕዳሕ ዝተኣሳሰርን ግልጽን ናይ ነዊሕ ዝኣመተን ምስ ኹንታት ዝተዓጻጸፍን ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ ዓብዪ ግደ ኣለዎ።

ካልኦት ሃገራትን ሓይልታትን ብዝትፈላልየ ብርኪ እንተኾነ እውን ኣብተሳተፋሉ ፈረንሳይን ጀርመንን አብቲ ንናይ ኣውሮጳ ፖለቲካዊ፤ሃይማኖታዊን ማሕበራዊ ቕርፂ (landscape) መልክዕ ዘትሓዘ “ሳላሳ ዓመት ኹናት” (1618-1648) እውን ተሳቲፈን እየን። እቲ ኹናት ብዘዓበየ ኣብ መሬት ጀርመኒ ዝተኻያደ ስለዝነብረ 50% ህዝባ እውን ጠፊኡ እዩ። ድሕሪኡውን ኣብ ኣስታት 80 ዓመታት ፈረንሳይን ጀርመንን ሰለስተ ዓበይቲ ኹናታት ነንበይኖምን ምስ ካልኦት መሓዙት ኣካይዶም እዮም። 1870-1871 ኽልቲኦም አንትገጥሙ ኣብ ቐዳማይ ኻልኣይን ኹናታት ዓለም ምስ ንናይ ባዕሎም ኪዳናት ገጢሞም ጀርመን ተሳዓራ። ፈረንሳይ ምስ መሓዙታ እንተሰዓረት እውን ኽልቲአን ሃገራት ስለዝተድምሰሳ ነቲ ርክበን ካብ ብኹናት ተጻብኦ ናብ ምትሕቭቫርን ምሕዝነትን ንቐይሮ ኢለን ገና ካብ ቑስለን እንተይሓወያ ብ1951 (European Coal and Steel community) ብዝብል ደሓር እውን ሕብረት ኣውሮፓ (European Union) ሓዱሽ ቓል-ኪዳን መስሪተን ኹናት ዝለዓለሉ ኹንታት ኣዐርየን ኣውሒደን ንባዕልን ጥራይ ዘይኾነ ንኻልኦት ኣውሮፓ ሃገራት እውን ማእገር ኮይነን::

ድሕረ ኻልኣይ ዓለም ኹናት ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ ከመይ ክምዝለዋወጡ ዝምልከት ጃሪድ ዳያመንድ (UPHEAVAL, Turning Points for Nations in Crisis) ኣብ ዝብል መጽሓፉ መሳጢ ታሪኽ ኣለዎ። ናይ ቐዳማይ ይኹን ናይ ኻልኣይ ዓለም ኹናት ፀሓሪትን መፈጸሚትን እያ ካብ ዝብል እቶም ዝሰዓሩ ናይ ምዕራብ ቓል-ኪዳን ሃገራት ጀርመን ከድቅቑ ትልሚ ሞርገንቶ (Morgenthau Plan) ዝብሃል ሓንጸጹ። ዳግመ-ህንጸት ናይ ምዕራብ ጀርመን ኤንዳስትሪታት ክይካይድ፤ ናይ ሕርሻ ሃገር ጥራሕ ክትኸውንን ብናይ ኹናት ካሕሳ ክመጥዋን ከድክይዎ ዝዓለመ ትልሚ ነይሩ።

ኹንታት ብምኽንያት ምምጻእ/ ምብቛል ዝfhል -ኹናት (Cold War) ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ ምቕያር ጀምረ። ቐጻሊ ናይ ዓለም ኹናት ክትጽሕር እትኽእል ጀርመን ዘይኮነትስ ሶቭየት ሕብረት ክትኸውን ክምትኽእልን ጀርመን ብዘለዎ ኣቀማምጣን ዕቑር ዓቕምን ንምዕራባዊያን ኣብ ምክልኻል ዓብዪ ግደ ከምህል ዋ ብምግንዛብ ነቲ ዝነብረ ትልሚ ሰሪዞም/ገልብጦም (ሰለስተ ዓመት እንተይመልአ) ማርሻል (Marshall Plan) ትልሚ ንዳግመ-ህንጸት ኣዊጆም ጀርመን ብቕልጡፍ ምሕዋይ ትጅምር:: 10

ኣብ ኻልኣይ ዓለም ኹናት ጀርመን ተሳዒራ ዓባይ ቢሪጣንያ ሲዒራ ድሕሪ ውሱን ዓመታት ግን ዓባይ ቢሪጣንያ ዘይኮነትስ ምዕራብ ጀርመን እያ ኢኮኖሚያዊ ተኣምር ኣምፂኣ። 11

ጃሪድ ዳያመንድ ናይ ውልቀ መራሕቲ ዘይትካእ ግደ እውን የዘንትው። ናይ ምዕራብ ጀርመን ቤት ምኽሪ ሙሉእ ብዝብሃል ኣብትሕቲ እቶም ሰዓርቲ ሰብ ኪዳን (ካብ ቁጽጽር ጀርመናውያን ወጻኢ ነይሩ) እንተነበረ እውን ኣሜሪካዊያን ኣብ ኮሚኒስት ዝነበሮም ፍርሒ ብምብላጽ ኮንራድ ኣደኖር (Konrad Adenauer) ዝበሃል ዝነበረ ቻንስለር ብዕሊ ዘይኮነስ እናራኣዩ ከምዘይራእዩ ብምግባር ናይ ሕጊ-ምውጻእ ስልጣን ናብ በዓል ዋኑኡ ክምልስ ገብረ።

ፊንላንድ ምስ ሕብረት ሶብየት ዝገብረቶ ኹናት ከም ሞዴል ገይርና ክንምሃረሉ ይግባእ። አብ እዋን ኻልኣይ ኹናት ዓለም፤ ፊንላንድ ፤ ንእሽተይ ሃገር፤ ብመንነቱን ክብርታቱን ዝሕበን ውሕድ ህዝቢ፤ ትfhት ኢኮኖሚን፤ ዳርጋ በይና ምስ ብጣዕሚ ገዚፍ ሰራዊትን ኢኮኖሚ ዘለዎ ዝገጠመትን ኣብ መዛዘሚ “እቲ ዝሓሸ ሕማቅ” ነፃነታ ንምሕላው ብምምራፃ ምስ ትግራይ (ህዝባ ክተድሕን) የመሳስላ ። እንታይ ንምሃር?

መራሕቲ ፊንላንድ ኣብቲ ኹናት ይኹን ድሕሪኡ ብዘርእይዎ ስትራተጂክ ኣመራርሓ ነቶም ዕድላት ተጠቒሞም ካብ ኣብ ሕርሻ ዝተድረኸት ድኻ ሃገር ናብ ከቢድ ኢንዱሪስታት እትውንን ደሓር እውን ብልዑል ቴክኖሎጂ እትፍለጥ ሃብታም ኾይና። ኣብ ኹናትን ደሓርን ኣብ ደንበ ምዕራብን ምብራቕን ሞንጎኝነት ከም ፖሊሲ ተኸቲሎም፤ ኣብ ሶቭየት ስነ-ሓሳብን ጆኦ- ፖለቲካ ረብሓታትን ዝሎ ውጥጥን ጎንፅታትን ብምጥቃምን ተዓፃፃፋይነትን ናይ ምትእምማን ህዋህው ፈጠሩ። መራሒ

11 Diamond, Jared (2019:223) Upheaval, Turning Points for Nations in Crisis, Back Pay Books

ሕብረት ሶቭየት ዝነበረ ጆሴፍ ስታሊን ንምንታይ ናይ ፊንላንድ ኮሚኒስት ፓርቲ ስልጣን ክሕዝ ዘይገብርካ ተባሂሉ ተሓቲቱ “When I have Paasikivi why would i need the Finnish Communist Party” 12ኢሉ መሊሱ። እቲ ምስ ሶቭየት ምትእምማን ክሳብ ደሓር እውን ከም ፖሊሲ ቐፂሉ እቲ ዴሞክራሲያዊ ሃገር ብዘይ ዓብዪ ስግኣት ተመንዲጋ።

መራሕቲ ፊንላንድ ኣብቲ ኸይዲ ዘጋጠሙ ብሔራዊ ውድቅታት ብምንፃር፤ብዓርሰ-ምድንጋፅ (self-pity) ብቂምን እንተይተስዓሩ፤ ሓላፍነት ብምውሳድ፤ ሓቀኛ ዓርሰ-ግምገማ ብምግባር፤ነቲኹንታት ዝምጥን ምውጋይን ዝተመረፅ ለውጢ ብምግባርን ምዕብልቲ ሃገር ንትውልድታት ገዶፎም እዮም።

ረ) ውድቀት ጥራሕ ብምርኣይ መኸተ ትግራይ ኣብ ኣሰላልፋ ዘመዝግቦ ዓብዪ ዓወት ኣይነናእሶ

ትግራይ ብጂኦግራፊ ይኹን ዴሞግራፊ ንእሽተይ ዓዲ እያ። ንቐይሕ ባሕሪ ቐርባ እንተኾነት እውን ናይ ባዕላ ሉዓላዊ ናይ ባሕሪ በሪ የብላን። ኣብ ውሽጢ ናይ ኢትዮጵያ ፌደራላዊ ዴምክራሲዊ ሬፓብሊክ ዘላ ሓንቲ ክልል እያ። ገና ህንፀታት መንግስታት ዝጅመር ዝሎ ዝመስል አብ ዘለው ቐርኒ ኣፍሪቓ መሰረቱ ናይ ኣኽሱም ስልጣነ ኾይኑ ገና ናብ ዘበናዊ ህንፅት መንግስቲ በፂfh እዃ ተዘይተብሃለ ብምንፅፃር ዝሓሽ ህንፅት መንግስቲ ኣለዋ ። ህዝቢ ትግራይ ብምኽንያት ኣቀማምጣ መሬታ ንብዝሕ ኹናታት ዝተቓለዐን ፀዋርነትን ጀግንነትን መለልይ ክብርታቱ ዝኾነ ስጡም ፖለትካዊ ማሕበረ-ስብ እዩ።

አብዚ ሓለፈ ኣስታት 80 ዓመታት ትግራይ ኣብ መሬታ ኣርባዕተ ዓብይቲ ኹናታት ኣተኣናጊዳ። ንመሰል ዓርሰ ውሳነ ዝተኻይደ ግን ዘይተዓወተ ቕዳማይ ወያነ (1936?)። ኣሰሩ ተኸትሉ ብዝሓሸ ውዳበን ምስ ካልኦት ኾይኑ ብዓወት ዝተዛዘመ ጥራይ ዘይኮነ ፍትሓዊንቱ ብዕላምኡን በተግባሩ ዘመስከረ(1967-1983)። ናይ ኤሪትርያ ውራር ንምምካት (1990-1992) ብኢትዮጵያ እንተመርሐ ዝተዓወተን ድሕሪ ኻልኣይ ኹናት ዓለም ኣብ ኣፍሪካ ዝለዓለ ኹናት ዝተብሃለ ብምኸንያት ኣቀማምጣ መሬት እቲ አዐርዩ ዝበዝሕ ኣብ ትግራይ ዝተኻይደ። ናይ ፅንተት ኹናት (2013-2015) ሰለስተ ሃገራት ዝትሳተፈሉ ብዋናነት ኢትዮጵያን ኤሪትርያን እንትኾና ሶማልያ እውን ዝተሓወስትሉ። መስደመም ፀዋርነትን ጀግንነትን ወተሃደራዊ ኣመራርሓ ዝተራኣየሉ ብናይ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝደቀሰ ግን ገና መሊኡ ዘይዓርፈ።

ሓደ ሚልዮን ዝኸውን ትግራዋይ ዝሃለቐሉ፤ልዕሊ 120 ሽሕ ቖልዑ፤እኖታትን እኖ ሓጎታትን ዝተደፍራሉ፤ ካብ ሓደ ሚልዮን ንላዕሊ ትግራዋይ ዝተፈናቀለሉን አብ ትሕቲ ዘሰክሕ ምሕደራ ዘለዎሉ (ኢሮፕን ኩናማን ከም ህዝቢ ናይ ምጥፋእ ስግኣት አሎ)፤ ታሪኻዊ ሕድጋት ዝትዝርፍሉ፤ ማንካ ወዲ ማንካ እንተይተርፍ ናይ ማእቶት መሳሪሒታን ንብረታትን ዘትጋዓዘሉን ዝተቓፀለሉን፤ መሰርተ ልምዓታት ዝፈረሰለኡ ብጠቕላልኡ አብ መበል 21 ክፍለዝመን ዝለዓለ ፅንተት ዝትፈፀምሉ(ስንባደን ሰፍሕ ማሕብረ-ቕጠባዊ ዓነውንው ዝበለሉ)።

እቲ ፅንተትን ስትራትጂካዊ መሪሒነት ኣብ ዘይብሉ ዝተኻይደን ሕዚውን ዝተወደበ መሪሒነት አብዘይብሉ ብሙዃኑ ናይ ፅንተት ስንባደ ተወሲኽዎን እናተመጋገብን መርዛም ፖለቲካ ዓንዲሩ። ሓድነትን ክብርታትን ህዝቢ፤ሰራዊት፤ሊሂቅ ወ.ዘ.ተ ተሸርሺሩ፤ ውልቀ ሰግኣት (personal insecurity) ህዝቢ፤ መራሕቲ ፖሊቲካን ስራዊት ዝነገስሉን መዋፅኢ ዓይኒ መርፍኡ ዝጠፍአሉን መኸትና ዝፍጠሮ ምችው ኹንታት ንረብሓና ንምውዓል ዘይከኣልናሉን ኩነታት ንርከብ።

መኸተ ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ዘይተዓወተ እንትኾነ እውን አይተስዓረን። ስምምዕ ፕሪቶሪያ ተነፃፃሪ ሰላም ኣንጊሱ እዩ። መሊኡ እንተዝይኮነ “ዕፅዋን ኽባን” ገሊሁ ንሰብ ዝድልዮ እታወታትን ምርካብ ተጅሚሩ ኣሎ።

ነቶም ንህዝቢ ትግራይ ከፅንቱ ዝወረሩ መንግስታትን ሓይልታትን ሰፍ ዘይብል ክሽከምዎ ዘፀግመሎም ስምብራት ኣብፂሒሎም እዩ። እቶም ዘይቅዱስ ስምረት ገይሮም ዝወረሩ፤ እዚ መኸተ ፀላላዕ ኣቢሉዎም ፋሕ ብትን ክብሉ ገይሩዎም እዩ። ኣራት ኪሎን ዓዲሓሎን ብፀላእነት ዝደላልዩ ኾይኖም ።ኹናት ዶ ኽውላዕ ይኽእል? ዝብል ስግኣት ይሓድር ኣሎ። እቲ ኣብ ፅንተት ዝተሳትፈ ፋኖ ንሰሜን ገዲፍ ተገምጢሉ እንትዋጋእ ንናይ ህዝቢ ኣምሓራ መሰላት ክንቃለስ ዝብሎ ሓድሽቲ ፋኖ እውን ብበዝሒ ኣንፃር ፌዴራል ተሰልፎም ኣብቲ ክልል ኹናት ትጛሓሒሩ አሎ።

12 Diamond, Jared (2019:86) Upheaval, Turning Points for Nations in Crisis, Back Pay Books

ፓሲኪቪ ካብ (1946-1956) ፕሬዚደንት ዝነብረ ኾይነ ቅድሚኡ እውን ካብ 1939 ጂሚሩ ዋና ተደራዳርኢ ዝነበረ እዩ።

ኣብ መኸተ ብዝተርኣየ፤ጀግንነት፤ፀዋርነትን ብቕዓትን ኣብ ገሊኦም እምበር ዶ ብዘይ ቲዲኤፍ ኣብዚ ኸባቢ ሰላም ክህልው ይኽእል ክብሉ ገይሩዎም እይ። ትግራይ ፅንተት ስለጋጠማ ብዓብይኡ እንተተዳኸመት እውን ሓይሊ ሚዛን ተነፃፃሪ ስለዝኾነን ኩሎም ኣንፃራ ዝተሰልፉ ሰፍ ዘይብል ስብራት ስለዝበጽሖምን፤ኣብ ውሽጦም ብዘጋጠም ሕንክርክርን ቐይሕ ባሕሪ ዝማእኸሉ ጂኦፖለቲካል ኣሰላልፋ ትግራይ ተደላይት ኾይና ኣላ።

“ናይ ፀላኢየ ፀላኢ ፈታዊ እዩ” ካብ ዝብልን መስደመም መኸተ ዝፈጦሮ ስንባደ (ኣይከኣሉን) ዝብል ብዝግባእ ምስትምቓር ኣድላይ እዩ። ሕዚውን ፀላእትና እዮም ከጥፉኡና እዮም ዝብል ግትር ኣትሓሳስባ ሚዛን ክሕህዝ ይግባእ። ውድቀት ጥራሕ ብምርኣይ መኸተ ትግራይ ዘመዝግቦ ዓወት ኣይነናእሶ። ፀላእቲ ትግራይ መንነቶም ስለዝቐየሩ ወይም ንህዝቢ ትግራይ ስለዝፎትው ዘይኮነ ንናይ ባዕሎም ህልውና ስለዝደልዩና እዮም ሸንዳሕዳሕ እንተበሉ ብፍርሒ ዘይኮነ ብጥበብ ንሓዞም። ተፈጢሩ ዘሎ ኹነታት ምስ ህዝብታት ዘላቒ ፅልኢ ብዘይፈጥር/ዝቕንስ ዝተፈላልዩ እንተታት ኣውፂእኻ ክትዳልው ይሓትት።

ናይ ፕሬዚደንት ትርምፕ ኻልኣይ ናይ ስልጣን ግዜ ዝህልው ናይ ፖሊሲ ለውጥታት ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ፤ ኹናት ንግዲ፤ ኹናት ራሽያ-ይኩሬን፤እስራኤል-ፍልስጥኤም ብኡ ኣቢሉ ንዚ ሱዕዲ ዓረቢያ-ግብፂ-ኤሪትርያን ናይ ቡርሃን ሱዳንን በቲ ሓደ ገፅ ናይ ሕቡራት ዓረብ ኢምራትስ-ኢትዮጵያ ኣርኤሴፍ ሱዳን ዝመስል ኣሰላልፋ ዝህሉው ለውጥታት ብዕቱብ ምክትታልን ተዓፃፃፋይ ዝኾነ ስልትን ስትራተጂታትን ምሕንፃፅ የድሊ።

IV. ናይ ጽንተት ኹናት ክተርፍ ዶ ምኸኣለ? ወይም እንተተጻሒሩ ብውfhድ ኪሳራ ምስ መሓዙት ኾይና ብመስተንክራዊ ዓወት ክዛዘም ምኸኣለ ዶ?

) ሰላም ዘይርጉእ ሚዛን እዩ። ኣፍልጦ ብዝተውሃቦ ልዕልና ወይ ማዕረ ሓይሊ ጥራይ እዩ ክዕቀብ ዝኽእል

“No war is inevitable until it breaks out” 13

“እንዲሁም ትግሬ ባጤ ምኒልክ ተጎዳ ቢባል ሐሰት ነው እርስ በርሱ መስማማት ስላጣ እንጅ። ትግሬን የሚያህል ትልቅ ያርብኞች ነገድ እርስ በርሱ ከተስማማ ዘንድ ሊጎዱት አይቻልም። አጤ ምኒልክ ግን ባንዲት ነገር ሊታሙ የተገባ ነው። የትግሬን ሕዝብ እንደ ሕዝባቸው አልቆጠሩትም ።”14

እታ ሓሶት እዩ ዝብል አዐሪዩ መካቲዒ ክኸውን ይኽእል እዩ እቲ ዋና ቑምነገር “ባዕሉ ንባዕሉ እንተተሰማሚዑ ክጎድእዎ ኣይካኣልን” ዝብል ግን መሰረታዊን ዓብዪ ቖላሕታ ክወሃቦ ዝግባእ እዩ። ሓደ እንተኾይኑ ኣይካኣልን!! ነጋድራስ ገብረ ሕይወት ባይከዳኝ ኣብ “መንግስትና የህዝብ አስተዳድር” ናይ 1916 መፅሓፎም “እርስ በርሱ ከተስማማ” ዝብልዋ ድሕሪ ኣስታት 70 ዓመታት ብ1983 ዓወት እንተምፅእ እታ “ እርስ በርሱ መስማማት ስላጣ እንጅ” ዝበሉዋ ድሕሪ ኣስታት ሚኢቲ ዓመታት ናብ ውድቀትን ፅንተትን ኣብፂfh። ትግራይ እቲ ዝሓሸ ዴሞክራሲያዊ ስብእና (posture) ዘለዎ ዝተምሃረ መንእሰይ ናብ በብብርኩ ዘሎ መሪሕነት ክዓትር ዘይምግባራ፤ ንሙኩር ዓቅማ ኣራኺሳ፤ ንዋዕሮታታ ኣልጊሳ፤ ብጠቕላላ እቲ ፃዕራም ህዝባ ብስእነት ሰናይ ምምሕዳር ቖርፊዳ ዓቕማ ብትንትን ኣቢላ ንፅንተት ተጋሊፃ።

“ናይ ቀረባ ጠንቂ ናይ ውድቀት ወተሃደራዊ ስዕረት ክኸውን ይኽእል እዩ፣ እቲ ናይ መወዳእታ/ultimate ምኽንያት ግን ምድኻም ዝፈጠረ ረቛሒ እዩ” ።15

ኣብቲ ስልታዊ ግዜ (2012-2013) ናይ ጽንተት ኹናት ክተርፍ ዶ ምኸኣለ? ዝብል መከራኸሪ ክኽውን ይኽእል። አብቲ ስትራትጂካዊ መድረኽ ግን ዘየማትእ እወ እዩ መልሱ። ፅንተት ብፈጣሪ ዘተኣዘዘ ምንም ክንገብሮ ንቡር እዩ እንተዘየልና!!

13 A.J.P Taylor, The struggle for Mastery in Europe,1848-1918

14 ነጋድራስ ገብረ ሕይወት ባይከዳኝ ስራዎች (2003፤11)፤ አዲስ አበባ ዪኒቨርሲቲ ፕሬስ

15 Diamond, Jared (2005) Collapse, How Societies Choose to fall or Succeed Page 13, Penguin ebooks

ኹናት እንተተኣወጀልና እውን ብውሕድ ኪሳራ ንፀላእቲ ፀላዕላዕ ኣቢሉ ናብ ልሙድ በዓቶም ዘአትው፤ ብኣንፀባራቒ ዓወት ዝተዓጀበ ብምፅሕታሮም ዝሕተትሉን ፍትሒ ዝርከበሉ ኸይዲ እዩ ክዛዘም ነይሩ።

“ ሰላም ዘይርጉእ ሚዛን (unstable equilibrium) እዩ። ኣፍልጦ ብዝተውሃቦ ልዕልና (acknowledged supremacy) ወይ ማዕረ ሓይሊ (power) ጥራይ እዩ ክዕቀብ ዝኽእል።”16 ብ1983 ብፀላእቲን ፈትውትን ምስ ምሓዙትና ኾይና ኣፍልጦ ዝተውሃቦ ልዕልና ክንውድብ እንተኺልና ብ2013 እንታይ ኾይና?

ኹሎም ህዝብታት ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ብርክታት እንትሳትፉ (ናቶም ተሳትፎ ምንም ዘይነበሮ ንብሔር ብሔረስባት ንሕና ነጻ ኣውጺእናዮም ዝብል ናይ ገለ ዕቡያት ተጋሩ ኣተሓሳስባ ገዲፍካ) ህዝቢ ትግራይ ብመሪሕነት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ቑልፊን ግደ ነይርዎ። ከም ዝኾነ ምንቅስቓስ ብዙሕ ጎዶሎታት እንተነበሩዎ እውን፤ እቲ ቓልሲ ናይ ህዝቢ ትግራይ መንነትን ክብርታትን ተሓንጊጡ ፤ ብጻይነት፤ ጀግንነትን ስትራተጂክ ኣመራርሓን ተጸንቢሉ ብመስተንክራዊ ብዓወት ተዛዚሙ።

ህወሓት ህዝቢ ትግራይ መስረት ገይራ፤ ትሕቲ ሚኢቲ ሺሕ ሰራዊት ሒዛ ብፀረ ድርግነት ንሻዕብያ ኣሰሊፍ ብሸነኽ ሰሜን እንግድዓ ነፃ ገይራ ፤ንኣምሓራ፤ዓፋርን ምስ መዳርግታ ኾይና ሓራ መሬት ገይራ ነቶም ካልኦት ክም ናይ ኦሮሞ፤ጋምቤላ ሶማሊይ ወ.ዘ.ተ. ብፖለቲካል projection ኣሰሊፋ እያ ዓወት ተጓናፂፋ። 2013 ድኣ እንታይ ኾይኑ?

) ውሽጣዊ ኣቕሙ እናበተነ ዝኸደ ስርዓት ህዝቢ ንፅንተት የሳጣሕ

ውሽጣዊ ዓቕሚ ክንብል ከለና ናይ ኹሉ ትግራዋይ ወነ፤ፍልጠት ጉልበት ትካላዊ ብዝኾነ ምጥቃም ማለት እዩ፡፡ ዝግለል ናይ ሕ/ብ ክፋል ኣይህልውን። መንግስታዊ ትካላት ብዘይ ኣድልዎ ከም ብቕዓቱ ዝሳተፍሉን ንኹሉ ድማ ግልፅነት ተሓታትነት ብዘለው እንተገልግላ ትግራዋይ ሙሉእ ዓቕሙ ንምጥቃም ዘኽእል ህዋህው ይፍጠር።

ብመስፍናዊ ስርዓት ብፉሉይ ዝበሳበሳ ፍርቒ ሕ/ሰብ ዝኾና ደቀንስትዮ፤ በቲ ስርዓት ከም ካልአይ ዜጋ ዝቑፅር ዝንበረ ሞስሊም ሕ/ሰብ ወ.ዘ.ተ ኣብ መንግስታዊ ትካላት ይኹን ካልኦት ሕ/ሰባዊ ምንቅስቓሳት ብዝግባእ ክሳተፋ/ክሳተፉ ዘኽእል ኹንታት ዘይፈጥር ስርዓት ሓይሊ በታኒ እዮ። ካብ ክልል ካቢኔ ክሳብ ጣቢያ፤ከንቲባ ከተማታት፤ኣብ ሲብል ሰርቪስ፡ ዩንቨርሲታት፤ ከም ሰብ ሃብቲ ወ.ዘ.ተ ተሳትፎ ብዝግባእ ምምርማር ኣድላይ እዩ። ሕጃብ ገይርኸን ኣይትመሃራይ ክውሰን እንከሎ ናይ መንግስቲን ናይቲ “መሪሕ ውድብ” ግብረ መልሲ መሕፈሪ እዩ። እሞ ኣብ 21 ክፍለዘመን?

ናይ ሓይሊ ምብታን ኸይዲ ዝጅምር እቲ ናይ ፀረ- ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ዋርዲያ ዝኾነ ደርጊ እንትለግስን ናይ ሽግግር እዋን እንትጅምርን እዩ። ብናይ ዓወት ፍስሓ (Euphoria) ድሕሪኡ ዝቐፀለ መስተንክራዊ ሰላም፤ ፖለቲካዊ፤ማሕበረ- ኢኮኖሚያው ዴፕሎማሲያዊን ዓወታት እናተሸፈነ ውሽጣ-ውሽጢ ፊሒም እናበለ ነቲ ዓወታት እናበለአ ገቢሉ ንፅንተትን ንሓደጋ ምፍርራስን ኣብዙfhና።

እቶም ዓወታት (ገሊኦም ድሕሪ ስልጣነ ኣኽሱም ብልጭ ዝበለ ናይ ለውጢ ኣንፈት ይብልዎ) ምእንቲ ንቕድሚት ክንምሃርሉ ክነስተማቕሮ ይግባእ። ቕድሚ 1983 ትግራይ/ኢትዮጵያ ኣብ ከምይ ዝበለ ሰላም፤ ፖለቲካዊ፤ማሕበረ- ኢኮኖሚያው ዴፕሎማሲያዊን ኹንታት ነይራ? ካብኡ ንላእሊ ክሕምበብ ይኸእል ነይሩ ዘረዳድእ ኾይኑ ነቲ ዝተረጋግፀ ለውጢ ካብ ዘይምፍላጥ፤ዘይምድላይ ወይም እናተረደአካ ንህወሓት ንምንሻው ተባሂሉ ቓልሲ ህዝቢ ምንኣስ ንኻልእ ፖለቲካዊ ዝበልዐና ሕማም ዳሪጉ ሙሉእ ብሙሉእ ከይፍርሰና ምጥንቃቕ ከድሊ እዩ።

ንዝተማለአን ዘተኣኣማምንን ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ንምህናጽ ዝነበረን ዘሎን ወድዓዊ/መዋቅራዊ ክፍተት (ዘይማዕብለ ርእሰ-ማልነት ኢሉ እውን ማእኸላይ ደሪቢ ዘይጎልበተ ምዃን) ክምዘሎዎ ኾይኑ ናይ ትውልዳዊ ኣመራርሓ ጉዳይ እውን መሰረታዊ እዮ። ከም ትውልዲ (ናይ ዕድመ ጉዳይ ኣይኮነን) ናይ ዴሞክራሲያዊ ስብእና ባህሪ ዝይብሉ ነቲ ህንፀት ስርዓት ምምርfh ተፃባእነት ስለዘለዎ ስዳሩኡ ሓፂር እዩ። ኣስፍሕ አቢልካ ምርኣዩ ነዚ ሕዚ ዘሎ ናይ መሪሒንት ቕልወላው ኣብ ምፍታሕ ኣንፈት ከትሕዝ ይኸእል እዩ። ኣረጊት ስርዓት ኣፍሪስካ ሓድሽ ንምህናፅ ዘድልዮ ናይ ትውልዲን፤ኣትሓሳስባን ውዳብ ምትዕዕርራይ ስለዘማላኸት።

16 Durant, Will CAriel (1996፡81) The Lessons of History, Simon C Schuster Paperbacks

ናይ ስልሳታት ትውልዲ አይግዛእን ዝብል ንፍትሒ ብወነ ዝተቓለስ ኾይኑ ግን ኣብ ዓመፅ (መስፍናዊ ስርዓት) ተወሊዱ ብዓመፅ ዓብዩ (ክዕምፅ ግድን ነይሩ) ብወታሃደራዊ ስነ-ልቦና ዝተቕነየ (framed) ናይ ሰዓራይ-ተስዓራይ (win-loose) እዩ። ናይ ኹሉ ሰዓራይ (win-win) ስርዓት ክመርሕ ፈቲኑ ሕዚውን ድሐሪ ኣስታት 33 ዓመታት “ኣነ ተዘይኮነ ኹሉ ዋላ ይጥፋእ” ብዝብል እቲ መከራ ህዝቢ የዕሙቖ ኣሎ።

ናይና ትውልዲ ብዝበዝሐ ማርክስነት ሌሊንነት ይኽተል እየ ይብል ነይሩ። ይፍለጦ ኣይፍልጦ ብዘየግድስ። በቲ እዋን

እቲ ገስጋሳይ ይበሃል ሰለዝነበረ ከም ፋሽን ዝውሰድ (ልክእ ከምዙሎሚ ንኣሜርካ ንምሕጓስ አብ ገሊኤን ውድባት ሊበራል እና ብዝብል ዝረአ ሸበድብድ) ነይሩ። ነገር ግን ጉቡእ ዋጋ ንምሃብ (to its credit) ደቂ ቐዳማይ ወያነ ይኹኑ ኻልኦት ስታሊናዊ ናይ ብሔራት ናይ መሰል-ዓርሰ ውሳነ ክስሕቦም ግድን ነይሩ። መስፍናዊ በደል ዘንገፍጎፎም ወገን ድኻታት (pro-poor) ብሙዃኑኖም እቲ ዝሓሸ ማህበረ-ኢኮኖሚያዊ መሰላት ዘለዎ ብምዃኑ ማርክስነት እንተተሓንገጡ ዘግርም ኣይኾንን (ምዕራባዊያን አብቲ እዋን ከም መሰል ኣይተቕብሉዎን ነይሮም)።

እቲ ብ1977 ብናይ ማሌሊት ምምስራት ዝተዛዘመ መስርሕ ( ባዶ ተስፋታት ከም “ሶሻሊስት ትግራይ ከም ገነት ክንገብራ” ዝዓይነቱ ገዲፍካ) ካብ ደውታ፤ውድቀትን ተስፋ ምቑራፅን ጎቲቱ ኣውፂኡ ፖለቲካዊን ወተሃድራዊን መሪሒንትን ምሕደራን (Leadership and Managment) ብምጉንፃፍ ናብ ዓወት ዝብፀሐ ብምዃኑ ክንመሃርሉ ይግባእ።

ናይ ህወሓት ማ/ኮ ከም አካል ማርክስነት መምርሒና ኢሉ ዝፍክር እንተነበረ ፍልጠቱ ትfhት፤ ዘይተላበሶ እውን ነይሩ። ናይዚ ገለ መግለፂታት፤ ሸቃላይ አብዘይብላ ትግራይ/ሃገር ናይ ሽቃላይ ምልክነት፤ ሌኒናዊ ናይ ውዳበ መትክለን ናይ ፖሊካዊ ኣመራርሓ “ዴሞክራሲያ ጥርናፈ” ይቕበል ኢልካ ናይ ውሽጢ መሰላት ብዝዕፍን “መስፍናዊ ጥርናፈ” ምትካእ እዩ ትኽይዲ።

ድሕሪ ምፍርራስ ሕብረት ሶብየት ናይ ዓለም ዴሞክራሲዊ ህዋሁው ዝዓብለለ እንትምስል ንሃገራት ቕድመ-ኹነት (democratic conditionality) እንትኾውን ማርክሰ-ሌኒነት ከም ብላይ ጨርቂ ተድብሪዩ። ናይ 1993 ቕልውላው ምስ ኣጋጠመ ኣክሮባት ተስሪfh ካብ እቲ ዝወዶቖ/ ዝተሾጎጦ ተዓሊሹ ሕልኽ መሳጎዲ ኾይኑ። ሓዲኡ ጉጅል ምስ ሰዓረ ድማ “ፃዕዳ ርእሰ-ማልነት” ተዓወጀ።

ሕብረ-ፓርቲያዊ ሕገ-መንግስቲ ሓንፂፅካ መሪሕ ፓርቲ (vanguard)!! “ብዘካ መንገዲ ህወሓት ኩሉ ናይ ጥፍኣት መንገዲ”፤ ተነሓናሕቲ ፓርቲታት ከም ፅላእቲ ሪኢኻ ክተጥፍኦም ምፍታን፤ርእሰ-ማልነት ክሃንፅ አናበልካ በዓል-ሃፍቲ (ብርዣ) ምሁርን ተበለፅቲ፤ተውላወልቲ እናበልካ ምግላል ኾይኑ። ብሓፈሻ ነቲ ዝህነፅ ዝሎ ስርዓት ዝምጥን ናይ ኣተሓሳስባ፤ዉዳብ፤ ኣሰራርሓ ለውጢ እንተይገብርካ ዝተገበረ ገና ካብ ፈለም ኣትሒዙ ቐስ በቐስ ሓይሊ ምብታን ኮይኑ። ኣብ ገሊኡ ዘይተስተውዓለ ደሓር ድሓር ድማ ጎሊሁን ፈጢጡን ብ ሕገ-መንግስታዊ ህሞታት (constitutional moments) ደረጂኡን መልካዓቱን እናቐያየረ ሓይሊ ምብታን ኾይኑ።1983-1987፤1990-93፤1997፤ 2004፤ 2007-08፤2010፤2013-15–ህሞታት ነዚ ጉዳይ ዝበለፀ ዝገልፅዎ ይመስልኒ።

  • ሽግግር

ኣብ ሽግግር እዋን ህዝብታት መስላቶም ብምጥዕዓም ክልሎም ዝምስርቱሉ፤ ፓርቲታትን ልሳንታትን ዝእምብባሉ፤ ህዝቢ ብሰላማዊ ሰልፍታት ድጋፉ ይኹን ተቓዉሙኡ ብተነፃጻሪ ነፃነት ዝንቀሳቕሰሉ፤ናይ እማን ሉዓላዊነቱ ዝሓለወ ቤት- ምኸሪ ክህልወና ግዲ እዩ ብምባል ምሕታት ዝትጀመረሉ ፤ህዝብታት ሰላም ዘጠዓዕምሉ ተባሂሉ ተስፋ ዝግበርሉ ነይሩ።

ኣብ ህወሓትን ሰራዊቱን ዝምጥን ናይ ኣተሓሳስባ፤ዉዳብ፤ኣሰራርሓ ዘይምህላዉ ብፍላይ ኣብ ሞንጎ ሙሉእ ሂወትካ

ሂብካ ምግዳልን ናብራ/ስድራ እናመራሕኻ ምቅላስን፤ ናይ ውድብን መንግስቲ ግደን ሃፍትን ምትሕውዋስ መሊእኻ እንተይነፀርካ ዝተገብረ ምንቕቓፍ ብዙሕ ኣቆሳሲሉ እዩ። ዋዕሮታትና ኣብ ሓዊ ዝድለያሉ አብ ስልጣን ክኾን እንተሎ ዝግለላሉኹንታት ዓብዪ ዓቕሚ ዝብተነሉ ንደሃር ቕድመ-ኹነት (precedent) ዝፈጠረ። ብድዲር ዝግባእ ኽብሪ ሂብካ ዘይምስናባት ዝፈጠሮ ምቁስሳል መግለፂታት ነይሮም።

ኣያታትና ተቓሊሶም ዘምፅእዎ ስርዓት ኣብ ምህናፅ ትግራይና ክንሕግዝ ዝበሉ ናብርኦም ጠንጢኖም ናብ ትግራይ ዝኸዱ ሙሁራት ዘስርሕ ህዋህው ሲኢኖም ናብ ዝነበርዎ ምምላስ ዝጀመረሉ ኹንታት ኾይኑ። አብ ምዝዛም ሽግግር እቲ

ላዕለዋይ መርሒነት ናይቲ ቕፃላይ ስርዓት ዕላማን ባህሪ እንተየነፀረ እቲ ዘሎ መሪሒነት ከመይ እናተትከ ይጛዓዝ (ብዋናነት በቲ መንእሰይ ሙሁር ክምራሕ ኣለዎ ብዝብል) ናይ ምርርኻብ ፍኖታ ካርታ እንተየውፀ ብ1993 ፋሕ እሉ።

መሰል-ዓርሰ ውሳነ ማእኸል ገይሩ ብብጣዕሚ ዘበናዊ ዝብሃል ሕገ-መንግስቲ እናተመርሐ (ዓብይቲ ጎዶሎታት የብሉን ማለት ኣይኮነን) መስተንክራዊ ማሕበረ_ኢኮኖሚያዊ ለውጥታትን (ኣብ ትግራይ ይኹን ኣብ ሙሉእ ኢትዮጵያ) እንተርጋግጽን ጽቡቕ ዝብሃል ሰላም ንኣስታት 25 ዓመታት እውን ኣስፊኑ ነይሩ፥፥ ኾይኑ ግን ብምኽንያት ሕዱር ጸረ-ዴሞክራሲያዊ መንነት መርሒነትን (ሕገ-መንግስታዊ ትካላት ገና ብኣግኡ በርዒነን) ብዕምቆት ቐጻሊነትን ዘለዎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ናብ ቕልውላው ኣትያ።

ኣብዚ መስርሕ ተጋሩ ኣብ ፖለቲካዊ ብቕዓትን ንጽሩነትን ዝነበሮም ሓድነት ብጣዕሚ እናተሸርሸረ ብምኻዱን ንዓመታት ብደመኛ ጸላእቲ ትግራይ ዝንዛሕ ዝነብረ ኣብ ሓሶት ዝተመስረተ ሃፍቲ ኢትዮጵያ ወሪሮም ዝብል ፕሮፖጋንዳ ንቡዙሕ ስለዝደናገረን ወራር እንትእውጆም በይኖም ክምክቱ ዝትገደድሉ ምዕራፍ ኾይኑ።

ህላወ ቐጻሊ ምዕባለኣን ንምርግጋጽ (ኣብ ውሽጢ እቲ ፌዴሬሽን) ወይም ውሕስ ዝኾነት ሃገረ ትግራይ ንምምስራት ነቲ ዝሓንፀፆቶ ሕገ-መንግስቲ ዘተግበር ርእሰ ፖሊሲታት ዝኾነ ናይ ባዕላ ናይ ደሕንነትን ጉዳይ ወጻኢ ፖሊስን ስትራተጂታትን ሓንጺጻ ዘይምትግባራ ሓደ መግለፂ እዩ። ናይ ትግራይ መንነትን ክብርታት፤ ሕገ-መንግስታ መስረት ዝገበረ ናይ ኸባቢናን ዓለምን ተንቲኑ ብሔራዊ ረብሓታት ሳይንሳዊ ብዝኾነ ኣቐሚጡ ነዚ መተግብሪ ዝኾነ ቑልፊ ፖሊስ ሓንፂፃ ዘይምትግባራ ትግራይ ናብ ውድቀት ኣምሪfhዋ።

ኣብ ሞንጎ ስርዓት ምፍራስ (ኣብ ኡውን ብዙሕ ሓተላ ነይሩ እዩ)ን ስርዓት ምህናፅን እሞ ዴሞክራሲያው ስርዓት ዘሎ መሰረታዊ ኣፈላልይ ተደሪኽካ ነቲ ኹነታት ዝምጥን ብኣተሓሳሰባ(ራእይ)፤ ፖሊሲታትን ስትራትጂታትን፤ኣወዳድባ፤ ኣሰራርሓ ምምዕርራይ እንተይ ገብርካ ስርዓት ንምህናፅ ዘተገበረ ምንቅስቓስ እቲ ዋና ሽግር እዩ።

ናይ ሸቃላይን ገባርን ምልክነት፤ብዝይካ መንገዲ ህወሓት ኩሉ መንገዲ መንገዲ ጥፍኣት እዩ፤ ሙሁር/ቡርዧ ተወላዋላይ/ፀላኢ ወ.ዘ.ተ ዝብሉ ኣተሓሳስባታት ብመሰረቱ ስሕተት እዩ ኢልካ ኾኒንካ ብሓድሽ እንተይተካእኻ ምስ ሕብረ- ፓርቲ ስርዓትን ምህናጽፅ ርእሰ-ማልነት ከምይ ኢሉ ይሳነ? ሙሁር/ቡርዧ ኣብቲ ህንፀት ብሙሉእነት ኣብ ዘይሳትፍሉ እዋን ስትራተጂክ መርሒነት ከምይ ይቦቁል? ናይ “መሪሕ ውድብ” (vanguard) “ዴሞክራስ ጥርናፈ” (መስፍናዊ ጥርናፈ) ኣተሓሳስባን ኣወዳድባን ኣሰራርሓን ሒዝካ መማረጺ ሓሳባት ካብ ውሽጢ ውድብ ይኹን ካብ ወፃኢ ከመይ ኢሉ ይፍልፍል፤ ይውሕጅ? ኣብ እዋን ዕጥቂ ቓልሲ ህወሓት ውድብ፤መማሓዳሪትን ሰራዊትን እያ ነይሩ። ብኡ ናይ ምቕፅል ኣንፈት ኣጥፊኡና።

  • 1990-1993 ሕገመንግስታዊ ሕሞታት ኣብ ምብታን ዓቕሚ ተጋሩ

ናይ ዕላማ ንፁርነትን ሓድነትን ኣብ ዝጎዶሎ ዝነበረ መሪሒነት ዝተውለዐ ወራር ሻዕቢያ ኣብ ዕላማ፤ኣካይዳን ተበፃሕነትን እቲ ኹናት ብዝነበረ ኣፈላላይ ብትዕግስቲ ብልዝብን ምፍታህ ኣብዩ ናብ ህልኽ ዝተመልኦ ምብትታኽ ተበፂfh። እንተተሰማሚኦም ናብ ዝነብርዎ ክምልሱ እንተዝይኮይኑ ድማ ኽልተ ውድብ ኾይኖም ብምንቅስቓስ ዝተፈጠረ ዕድል ዴሞክራታይዘሽን ተሓንሺሹ አብ ተጋሩ ምብታን ነጥቢ መቐይሮ ገይርካ ክውሰድ ይኽእል። ብቓልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝተጠረዩ መብዛሕቶም ፖለቲካዊን ወተሃደራዊ ስትራተጂካዊ መራሕቲ (እንተተይተክኡ) ክገልሱን ብምምሓዳራዊ መንገዲ “ዓዲ ዊዒል” ክኾኑ ተገይሩ። ናይ ቤት ፍርዲ ትዕዛዝ ብቑሉዕ ብምጥሓስ (ቕድሚኡ ኣይግበርን ነይሩ ማለት ኣይኮነን) ግን ምእንቲ እዚ ሕጊ ዝወፅሉ አብ ነጋሪት ጋዜጣ እንተይተሓተመ ተግብራዊ ዝኾነሉ፤ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብዝተፈላለይ ብርኪ ዝሓምዞቖሉ ምጥሓስ ናይ ሕጊ-ልዕልና ብገሓድ ስተርኣየሉ ኹንታት ፈጢሩ።

ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ መለለይ ዝነበረ፤ ሽግግር ብዓወት ክድምደም ዝገበረ ንኹናት ኢትዮ-ኤርትሪያ ብሰዓራይነት ክድምደም ዘመቻቸወ ናይ ሓባር ውሳነ ኣካይዳ ተበቲኹ ናብ ሓደ ሰብ ውሳነ ተጠቓሊሉ። ናብ ታሕቲ እውን ወሪዱ። ከም ሓደ ክብሪ ቓልሲ ህዝቢ ትግራይ ተገይሩ ዝውሰድ ዝነብረ “ብፃይነት” ብፖለቲካዊ ኣፈላልይ ናብ ፅላእነት ብምቕያር ናይ ተገዳላይነት ሕ/ሰባዊ ክብሪ ሓዶሽዶሽ ኢሉ።

“ኣንጃ” ንምስዳድ ዝትገብረ ወፍሪ ዝኾነ ስብ ሓሳቡ ኣብ ምግላፅ ዝነብረት ንእሽተይ ዕድል እውን ፅልግልግ ኣቢሉዎ እዩ። እቲ “ኣንጃ” ተባሂሉ ዘይተመደብ ናይ ናብራ ጉዳይ ኾይንዎ ዝምስሎ ከይዛረብ ዘፅቐጠሉ እቱ ተኸታሊ “ኣንጃ” ዝብሃል ናይ እንጀራ ኾይንዎ ካብ ስራሕ ከይባረር ዓዘፍዝፍ ክብል ክግደድ እንተሎ ተበላፅነት ትካላዊ (Institutionalization of opportunism) ዝኾነሉ ኹንታት ተፈጥሩ። ናይ ኩሉ ትግራዋይ ዓቕሚ ናብ መድርኽ ከይጋዋሕ ዝዕፈነሉ ዘገደደ ስርዓት ሰፊኑ።

እቲ “ምኽሳስን ምንኻስን” (ዉ.ና.ት) ፀለምታትን እውን ነጥቢ-መቐይሮ ኣመዝጊቡ። ምእንቲ ጊዚያዊ እሞ ዘይረብሕ ፖለቲካዊ ረብሓታት ኣብ ተጋሩ ፀሊም ሕላገት ገዲፉ እዩ። “እኒ ተወልደ ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ህዝብታት ዝዕንድር ሓድሽ ናይ ኣኽሱማዊ ኤምፓየር ከጣዩሹ ይፍትኑ ነይሮም” ዝዓይነቱ ጠቕነ ነዞም ደመኛ ፅላእቲ ካብ ተጋሩ ምስክርነት ኾይኑሎም። ናብ ባዕሎም ክትግምጠሎም ምስበለት መን ኢሉኩም ተብሃለ እምበር።

  • 1997 ሕገመንግስታዊ ሕሞ

መረፃ 1997 ተራእዩ ዘይፈልጥ ብዝሒ መራጽቲ ዝተመዝገብሉ 90% ካብኦ ድምጾም ዝሃብሉ ነይሩ። ዋላ እኳ ዝተፈላለዩ መሰናኽላት እንተነበረ ብሓፈሻ ሰላማዊ፣ ዓቢይ ተስፋ ዝተገብረሉን ነይሩ። ብመንግስቲ ዝመሓደራ መራኸቢ ብዙሃን ሓዊሱ ሲቪላዊ ማሕበራት እውን ከም ተዋሳእቲ ጎሊሀን ተንቅሳቒሰን ሕገ መንግስታዊ ዕማመን ምኽባር ጀሚረን ነይረን። ድሐሪ 1983 ነጥቢ መቐይሮ ዝኾነ ሕገ-መንግስታዊ ሕሞ ተባሂሉ ዓብዪ ተስፋ ተገይሩ ነይሩ። እንታይ እሞ ይኹን ብሰብ ስልጣን ብሓይሊ ተጛዕፂፁ ገሊኦም ተናሓናሕቲ ናይ ህዝቢ መሰል ዘይቕበሉ እውን መመቻቸውቲ ኾይኖም። ዓብዪ ዕድል ተሓንሺሹ።

ተጋሩ ከም ሃገሮም ናዪቲ ጥልመት ህዝቢ ተቛደስቲ ኾይኖም እናሃለው ኸልተ ዝተፈለየ ኣሉታዊ ፅልዋ ነይርዎ። እግሩ እንትሓርር ዘይስምዖ ካብ ህዝቢ ምንፃል ዝጀመረ ስርዓት ብተጋሩ መራሕቲ ይዝወር ስለዝነበረ ኣብ ካልኦት ህዝቢታት ኣሉታዊ ሕቶታት ምልዓል ተጀመረ። “ትግሬ ወደ መቀሌ” ዝብል ጭርሖታት እቲ ትግራዋይ ሊሂቅ ተኸላኻሊ ገይሩዎ። ምስ ብሰሜን (ኤርትሪያ) “ኣይ ሰላም ኣይ ኹናት” ኹንታት እቲ ናይ ደገ ስግኣታት ንባዕሉ ከም ሊሂቅ ብፍላይ ኣብ ህወሓት ዘለው መሰረታዊ ጉድልታት ከይሪኢ ሸፊኑዎ።

  • ሕልፈት ነብሲኄር ወዲዜናዊ ዝፈጦሮ ኽፍተት

ብዓውዲ ንምርዳእ ክጥዕም ኣስታት ቕድሚ 10 ዓሰርተ ኣቢሉ አብ ናይ ተጋዳላይ ገብሩ ኣስራት መፅሓፍ ዝሃብኩዎ ሪኢቶ “ምስጋና ነቲ ተጋዲሉን ኣጋዲሉን ናብ ዓወት ዘብፀሐና ህዝቢ ትግራይ” ብዝብል ዝፅሓፍኩዎ ወዲ ዜናዊ ዝምልከት ክካካፍለኩም

“ወዲ ዜናዊ!!

ኣነ ካብ ዝፈልጦም ዉልቀ ሰባት ንላዕሊ ነዛ ሃገር ሰሪሕካ ኢኻ። ካብ ኩናት ናብ ሰላምን ምርግጋእን ካብ ድርቅን ጥምየትን ናብ ዝሓሸ ተስፋ ዘለዎ ማሕበራዊ-ኢኮኖምያዊን ዕብየት፤ ካብ ምስ ጎረባብታ እትናቆር ሃገር ናብ ኩሎም ከም አያ እትጥመትን ሐበን ምዃን ዝጀመረት ሃገር፤ ኣብ ዓለም ይኹን ኣብ ኣፍሪካ ኣብ ቦታኣ ምቕማጥን ከፍ ከፍ ምባልን ከም ዉልቀ ሰብ ዝከኣለካ ገይርካ ኢኻ። ኣብዚ ንምብፃሕ ውድብ ኣኽኢላትካ ንስካውን መሪሕኻያ፤፤ የቐንየልና ወዲ ዜናዊ፤ ብሰላም ዕረፍ።

ወዲ ዜናዊ መራሒ ስለዝነበርካ ብሰላም ዕረፍ ኢልና ኣይንገድፈካን፤ ብቐፃልነት ካብቶም መሰረታዊ

ጥንካሬታትኻ ምእንቲ ክንመሃር ክነልዕለካ ኢና። ምእንቲ ሃገር ድማ ካብ ዝነበሩ ድኽመታትኻ ክንመሃር ክነልዕለካ ኢና። ቅር

ከምዘይብለካ ብምትእምማን። ኣብ ዴሞክራሲን ኣብ ትካላዊ ስራሕትን (Institutionalization) ኣብ ናይ ባሕሪ በሪ ጉዳይን ኣነ ዘልዕሎም እዮም። ካልኦት ዘልዕልዎ እዉን ምፍታሽ ኣገዳሲ እዩ ።”

እተን ተስፋ ተገይሩልን ዝነበራ መንግስታዊ ቤት ምኽሪታት ወቓእቲ ማሕተም፤ ቤት ፍርዲታት ነፃንተን ተገፊፉ ተቐበልቲ ትእዛዝ ስራሕ ፈፃሚ ዝኾናሉ፤ ምክልኻል ሃገር ቐደሙውን ፅኑዕ ትካላዊነት ዝይነብሮ እንተኾነ እውን ጠቕሊሉ “ናይ ኢህወደግ ናይ መወዳእታ ዱፋእ” ው.ዘ.ተ ኾይነን።

ህወሓት ይኹን ኢህወደግ ናብ ናብ ጠቕላላ ምብስባስ ዝኣተዋሉ። ድሕሬኻ ምብዛሕትኦም መራሕቲ ናይተን ሰለስተ ውድባት “ተለኣኻኽቲ ነይርና” ኢሎም አንትይሓፈሩ ሓውሲ ዝፍክርሉ እቶም ናይ ህወሓት ደማይ “ወዲዜናዊ ናይ 40-50 ዓመታት መድባት ገዲፍልና እዩ ምሕሳባ ኣየድልየናን ዝዓይንቱ እናተጀንጅኑ ብኹርዓት ዝግንfh ኾይኖም። በሊሕ አእምሮኻ ዝገደፎም ፅfhፋትካ ወይ ዘይተርደኦም ወይም ምስኹንታት ምዝማድ ኣብዩዎም ንህዝቢ ዘገልግሉሉ ዘይኮነ ንተናሓናሕቲ ከም መሸንበቢ መደራጉሕ ዝጥቀሙለን ኮይነን።

ካብ ውfhዳት 2ይን 3ይን ዓመት ተምሃሮ ዩኒበርስቲ እሞ ምስ ዓለም ብዝሕ ሌላ ዘይነበሮም ተጋደልቲ እታ ታሪኻዊት ውድብ ጢሂና ጠሓሒና ንዓለም ዝደንቑ ስትራተጂስት አዕቢያ። በሽሓት ፕሮፌሰራት/ዶክቶራት ካልኦት ሙሁራትን ኣብዘለዉዎ ሎሚ ካብቶም መራሒቲ ኢዲን እግሪን ዘለዎ ሓድ እውን ዘይምሕላዉ ብጣዕሚ መሕዘኒ እዩ።

ምስ ወዲ ዜናዊ ዝተኣሳሰረ ሓደ መድንቒ (ባዕለይ) ምስ ሓደ መምለኺ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ብዝገብርናዮ ምይይጥ ክገልፆ። መምለኺ፤ መለስ ናይ ዴሞክራሲን ናይ ልማዓት ሃርበኛ እዩ ነይሩ ይብልኒ። ናይ ልምዓት ዝበልካዮ ይሰማማዕየ ናይ ዴሞክራሲ ከመይ ኢለ ይሓትት። መልሱ ብዴምክራሲያዊ ጥርናፈ ይኣምን ኾይኑ። ክው ኢለ። 1993፤1997 ዝነብረ ፍፃሜታትን ካሳብ ዝነበረላ ዝፍፅሙ ዝነብሩ ጥሕሰት ስብኣዊ መሰላትን ካብ ዓራት ኪሎ ናይ ክልላት መራሕቲ ብምምዳብ ንስነ-ስርዓት (procedure) ናብ ቤት ምኽሪ ይስደድ እሞ ይፅድቕ። ሉዓላዊነት ዝጥሕስ እዩ ዝብልን እቲ ፀረ- ዴሞክራሲዊንት ናይ በይኑ ዘይኮነ ናይ ክሉና ወለዳዊ ብዝብል ገሊፀ ተፈላልና።

ወዲ ዜናዊ ብሃገር ኽህደት ገሊኦም እውን ብናይ ሻዕቢያ ተላኣኣኺ ብዝብል ዝኸሱኻ ኣለው። ተጋግዮም። ኢትዮጵያ ማለት ህዝብታታ ዝብል ዘበናዊ ኣተሓሳስባ ሒዝካ ካብ ድኽነት ንምንጋፍ ቐትሪን ለይቲን ብብቕዓት ዓለም ዝመስከሮ ስራሕ ብምስራሕኻ እንሕበነሉ እዩ። ንኣሜሪካ ንህዝበይ ዝጠቅም ልምዓታዊ መንግስቲ ብምባል ምቕንጫሮም ዝበልካስ ንሚጢጢ

ሻዕቢያ (ህዝቢ ኤርትራ ምኽባር ከምዘለዎ ኾይኑ) ክትንብርክኽ? ኣነ ክሳብ ዝፍልጦ ከማኻ ንሻዕቢያ ከም ስርዓት ዝፀለእ ዝነበረ ኣይመስለኒን። ኣብ ኢትዮ-ኤርትራ ኹናትን ድሕሪኡ እውን ንሕና እንተስጙምና ኣበይ ከይበፅfh ብዝብል “ዝቖሰለ ተበን” ሻዕቢያ ሓዲኡ መዕለቢ እንተይገብርካሉ ምኻድካ ኣንውን ጌጋ ነይሩ ይብል። ብዙሕ እውን ኣኽፊሉና።

ድሕሪ መለስ ኢህወዴግ/ ኢትዮጵያ መራሒ ሲኢና። ክምጓሳ ዘይብለን ኣባጊዕ ፋሕ ጪንግራሕ። ናይዚ ፅfhፍ ዋኒን ዝኾነ ትግራይ ግን ዝገደደ ኾነ። ኽልተ ጉጅለታት ማእኸሎም ኣዲስ አበባ ብዝኾኑ ሰብ ስልጣን ዝመርሓ ኣብ ትግራይ ዝነብሩ መራሕቲ ዝሓውስ ተፈጠራ። ናይ ሃገር/ትግራይ ዋኒን ብኻልኣይ ብርኪ እናራእዩ ዋና ትኹረቶም መን ሰዓረ፤መን ኣምበርከኸ ዝዓይነቱ ምንቅስቓስ ብሕቡእን ብግልፂን ምንቅስቕስ ተጀመረ። ብዝተወሰነ ብርኪ እንተኾነ ንተጋሩ ኸፋፈለ። ንፀረ- ትግራይ ዕስለታት ክግብሉ ዕድል ፈጠረ።

እቶም ድfhራት ምጉጅጃሎም ንመማረፂ ገስጋሲ ምንቅስቓስን ውዳበን ምችው ኹንታት እንተተፈጠረ እኳ ሊህቕ

ትግራይ ስለዝደቀሰ ኣይተጠቐመሉን። ሓዲኡ ጉጅለ መሊኡ ክስዕር ስለዘይካአለ “ሞንጎኛ ንኹሉ ዘይጎድእ” ንዝነበረ ዶ/ር ደብረፂዮን ክም “ውህብቶ” ተዓዲሉ እቲ ቕልውላው ብኻልእ መልክእ ቐፂሉ።

  • ሕሞ፤ 2007-2008

ብ 2007 ህዝቢ ትግራይ በቲ ስርዓት ዝብፅሖ ዝነበረ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣምሪሩ ብዝተፈላልየ መንገዲ ይገልፅ ነይሩ። ናይቲ ምረት ብርኪ ምዕባይ ይኹን እቲ ኣብ ላዕሎዎት መራሕቲ ዝነብረ ምክፍፋል ዝፈጠሮ ባይታ ቕድሚ ሕዚ ተርኣዩ ብዘይፈልጥ ኣብ ጉባኤ ህወሓት እውን ብዓብዩ ይንፅባረቕ ነይሩ። እንታይ እሞ ይገበር ህዝቢ ብምስማዕ ኣቢሉ ክመፅእ ዝኽእል ናይ ለውጢ ዕድል (Opportunity) ተሓንሽሹ።

ብበደል ዝተማሪረ ህዝቢ ነቲ ገዛኢ ፓርቲ 100% መሪፁ እንትባሃል ኣይድንፅዎን ዶ? እዚ ሰዓራይነት ሃገራዊ ይኹን አብ ትግራይ ኣርቲፊሻል፤ መስሓቒ፤ ሓደገኛን ዝለዓለ ብርኪ ፖለቲካዊ ብልሽውና እዩ። እዚ ስርዓት እዚ ካብ እግሩ እና ሓረረ ዝይምስማዕ ናብ ወቕዒ ልቢ (heart attack) ገጢሙዎ እውን ተራ ቓንፃ ጥራሕ ዝመስሎ ዝኾነ ይምስል።

ኣጠቓላሊ ፖሊቲካዊ ህዋህው ዓፋኒ እቲ ናይ መረፃ ኸይዲ በቲ ገዛኢ ውዱብ መሓወሩን ካብ ላዕሊ ክሳብ “ናይ ልምዓት ጉጅለ” ካብ ምዝገባ ክሳብ ናይ መረፃ ኣዳራሽ አዐርዩ ዝተመራሰሐ ምኻኑ ይፈልጥ እዩ። ምክክእዓል/ዝተወስነ ምፅዋር ናብ ዜሮ ዝወረደ እዩ ዝመሰል። ናይ ሓደ መርፃ ጣቢያ ናይ ህወሓት ኣቦ ወንበር ከምዚ ይገልፆ (ተነቒፉ ተናዲዱ እየ ኣጋጣሚ ረኺበዮ)

“ ካብ 1200 እቶም 1000 ንህወሓት እቶም 200 ንዓረና (ገብሩ ኣስራት) ስለ ዝመረፁ ኣብ ገምጋምን ምንቕቓፍን ኣነ ከምከሓዲ እዮም ሽንቅላተይ ኣውፂኦሙኒ ምናልባት እውን ካብ ስራህ ከባረር ይሰግእ እየ።”

ኢህወዴግ “100% ሰዓራይነት ሓደገኛን ዝለዓለ ብርኪ ናይ ፖለቲካዊ ብልሽውና እዩ” ንዝብሉ እናባጨወ እንተይወደአ ድሕሪ ኣስታት 6 ወርሒ ህዝባዊ ማዕብል ኣብ ኦሮምያ ደሓር ድማ ኣብ ኣምሓራን ካልኦት ተላዕኢሎም። ብናይ እቶ-እቶ ኣዋጅ ክፈትሕ ሓደ ኽልቲ ሰለስተ ተፈቲኑ ምዕጋት ኣብዩዎ ህወሓት ጨኒቕዎ ዕንይንይ እንትብል ኦሆዴድ፤ብኣዴንን ደህኣዴን ድማ ነቲ ማዕበል ክሰሩ እናፈትኑ ናብ 2010. ተበፂfh።

  • ሕሞ 2010 ፍሕም አናበለ ዝመፀ ናይ ሓይሊ ሚዛን ለውጢ መዛዘሚ

ኣብ መስርሕ ህንፀት ሃገረ ኢትዮጵያ እንትጅምር ናይ ኣመራርሓ ማእኽል ካብ ሰሜን ትግራይ፤ኣገው እናበለ እውን ናብ ደቡቡ ናብ ኣምሓራ ሰጊሩ። እቲ ሰሜን ብኹናት ሰንሰን እንትብል ማእኽሉ ሸዋ ዝገበረ ናይ ኣምሓራ ኣመራርሓ ንደቡብን ደቡብ ምዕራን ኢትዮጵያን ተቖፃፂሩ ወናኒ ብዙሕ ህዝብን ሓፍተ-ገነትን ስለዝተገበረ ንኣስታት 150 ዓመታት ክፅንሕ ኪኢሉ።

ህዝብታት ብዝገበርዎ ቓልሲታት መስፍንነትን ደርግን ከግልሱ ምስተገበረ ብሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ማእኸልን ወሰን ምስተረፈ ኣብ ኣፈፃፅምኡ በቲ ዝድለ እንተዘይኮነ እውን ብተውስነ ብርኪ ምትግባር ምስ ተጀምረ ናይ ማዕርነትን ናይ ይከኣልዪ ተስፋን መንፈስ ተፈጠረ። ናይ ሓይሊ ሚዛን ብወድዓዊ ማለት ብ ጂኦግራፊ፤ዴሞግራፊን ሃፍተ ገነትን ብሓደ ገፅ ብባዕላዊ ረቛሒታት ናይ ሊሂቃን ብቕዓትን ናይ ህዝቢ ውዳባን ዝውሰን ኾይኑ። ወድዓዊ ናይ ኦሮሞ ኹነታትን ናይ ቄሮ ምንቅስቓን ናይ ሓይሊ ሚዛን ናበይ የዘምበል ኣሎ ኣንፈት ዘማላኽት ነይሩ። ንእሽተይ ምሕሳብ ንዝኽእል።

እቶም ናይ ህወሓት መራሕትን ደገፍቶም እቲ ዝልወጥ ዘሎ ናይ ሓይሊ ሚዛን ምርዳእ ኣብዩዎም “እዚ ስርዓት ካብ ማንም ንላዕሊ ተቓሊስናሉ ሕዚ እውን ካብ ማንም ንላዕሊ ክንሕለቐሉ ኣለና” ዝብልን “እዚ ሕዚ ዘሎ ቁልውላው ብኢህወደግ ጥራሕ እዩ ዝፍታሕ፣ ካብ ኢህወደግ እውን ህወሓት እያ” እናበሉ ብዝለምድዎ ኔትዎርክ ዝእዘዙውም ሰባት እንትእልሹ ግዜ ዓሪብዎም።

ገሊኦም ንብአዴን ኣብ ውሽጥኹም ብምዕርራይ ገዱን ደመቀን እንተልዒልኩዎም እገለ ዝብሃል ሰብ ኣቦ ወንበርን ጠ/ሚ ክንገብሮ ይብሉ። (ኽልቲኦም ተዘይተመሪፆምከ ዝብል ፕላን (ለ) (ሐ) ኣለኩም ዶ ተትብሃሉ ብትዕቢት ኣይምርፁ ኮነ መልሱ)። ገሊኦም ደማይ ዝበለፀ ዝእዘዝና ካብ ደቡብ ንግበር እናበሉ ናይ ሓባር ፕላን ሀ፤ለ፤ሐ እንተይሓዙ ተዘርጊፎም ንህዝቢ ትግራይ ዕዳ ኾይኖም። ፀረ ትግራይ ዝኾነ ዘረኛ ኦሮ-ማራ እንትጣየሽን ሕልምልም ። ስትራተጂክ/ስልታዊ መሓዙት/ ፅላእቲ እንተየነፅሩ ክብኡ ዝብገስ ድማ ማዓዝ ስትራተጂካዊ/ስልታዊ ምጥቃዕ ፤ምክልኻል ወይ ገለልተኛ ከምዝኾኑ እንተየነፅሩ ብደመንብሲ ባንክን ታንኪን ገዲፎም ንትግራይ ኽዱ?

ምሕምዣቕ ፓርቲን መንግስቲን ዓቕሚ ኣብ ምብታን ዘለዓለ ተራ ዝነበሮ መስርሕ

ህወሓት ማለት ህዝቢ ትግራይ እዩ ዝብል ንህዝቢ ዘናሽው ኣተሓሳስባ ብስፍሓት ኣብ ዘለወሉ ሃዋህው ናይ ፓርቲን መንግስቲን ፍፁም ምትሕውዋስ ንጥፍኣት እዩ ዝዳርግ። ንክልቲኦም እዩ ዘልምስ፡፡ ተናሓናሕቲ ውድባት ንኽዳኸሙ፤ መማረፂ ሓሳባት ዘለዎም ሙሁራት ዕድል ከይርኸቡ ኾሉ ናይ መንግስቲ መሓወርን ሃፍቲ ተጠቒምካ ኣብዝውፈረሉን መራሒቲ እቲ ውድቡ ኣብ ዝበስብሰሉን ናይ “ስትራተጂክ መሪሒነት ውድቀት ኣብ ዝተብሃለሉን ምዃኑ ዝበለፀ ሓደገኛ ይገብሮ።

ናይ ሓደ ውድብ ጥንካረ ዝልካዕ ብኣይዶሎጂን ፖለቲካዊ ብስለት፤ ብቅዓት፤ ፅሬቱን ኣባላቱ እዩ። እቲ ፓርቲ ካብ ናይ ባዕሉ ስራሕ ኣብ ዕለታዊ ናይ ምምሕዳር ስራሕቲ ኣተዩ ይሕምዙቕ እሞ እቲ ዋና ስርfh ይርስዕ፡፡ ሲቢል ሰርቢስ፤ናይ ፍትሒን ፅጥታን ወ.ዘ.ተ ኣካላት ብብቕዓቶም ዘይኮነ ኣባላት ውድብ ወይ ደጋፊ ብምዃኖ እዮም ዝምደቡ። እዚ ንኹሉ ዓቅሚ ይርምስ።

ካብኔ ብቕዓትን ቕንዕናን እንትህልዎ ኣብ ትግራይ ይኹን ኣብ መላእ ዓለም ንዘለው ሙሁራት ዓዲሙን ወዲቡን ትግራይ ናይ ህዝባ መሰላት እተኽብር፤ ስሉጥ ዝኾነ ምሕድራ፡ቐፃልነት ዘለዎ ማሕበረ-ኢኮኖሚያዊ ምዕባለን ውሕስና ዘለዎ ሰላምን ተረጋግፅ ዝብል ክብርታታ መሰረት ዝገበር ናይ ዓለም ተሞክሮ ብሳይንሰን ምርምርን ውዲቡ ብቕፃልነት መበርከተ።

ቤት ምኽርታትን ፍርዲን ካብ ቐጥታ ትእዛዝ ውድብ ብቲ ሕገ-መንግስቲ መሰረት ናፃ እንትዝኾና ፍትሒ፤ግልፅነት ትሓታትነት ምነገሰ ኩል ትግራዋይ ከከም ዓቕሙ ብነፃነት ምተንቀሳቐሰ። ብፍላይ እቲ ዝብዝሕ ትግራዋይ ዝርከቦ ገጠራት ብኔትዎርክ ብዝተመድቡ ቑርዲዳት ኣምሓደርቲን ዕላመዐን ዝረስዓ “ናይ ልምዓት ጉጀለ” ማዓልታዊ ሰንሰን ይብል። መፍልጢ ወረቐት ንምውፃእ፤ ማደባርያ ንምርካብ፤ካልኦይ ግልጋሎት ንምርካብ ላዕሊ ታሕቲን ዓቕሚ ትግራይ ይሰብር እዩ። በተሓሳስባ ቡርዣ ሓውሲ ፅላኢ ዝርኢ፤ብተግባር ድማ ጉቦ ንምርካብ ወይ ንውድብ ኣይፎትውን/ፀላኢ እዩ ብዝበል

ሰብ-ሓፍቲ ዘስርሕ ኹንታት ትሳኢኑ ናብ ማእኸል ሃገር ዝስጎጉሉ ኹንታት ብምፍጣር ዓቢዪ ዓቕሚ ትግራይ ባኺኑ እዩ። እቲ ዘሐፍር ነገር ላዕለወት ሓልፍቲ “ኣብ ትግራይ ክሰርቁ ዕድል ስለዘይሃብናዮም ሃዲሞም” ዝብል ዕላዊ መግለፂታት ዝወሃብ ምንባሩ እዩ።

ኣብ ኩለመዳይ ብቕዓት ስለዘይብሎም (ሓድሓደ ብቕዓት ዝነበሮም ኣይነበሩን ማለት ኣይኮነን) ደማይ ምምራሕ ማለት ምቁፅፃር ይኸውን፡፡ (control freak) ዝኾኑ ኣብኩሉ መብዝሕትኡ ስራሕትታት ይምደቡ፡፡ በዝይካ ንሶም እቲ ኻልእ ትግራዋይ መፈናፍኒ ይስእን ዓቕሚ ይስበር።

  • ምድላው ን ኣመራርሓ መኸተን

እቲ ምብስባስ ንምድላውን መኽተን ኣመራርሓ እውን ሰንኪሉዎ እዩ።

ናይ ኹናት ፅልግልግ ኣብዝነበሮ እዋን ብዙሓት ተጋሩ ካብ ደገ ይኹን ካብ ውሽጢ ዝተፈላልዩ መፅናዕታት ብኣካልን ብበየነ-መርበብ የቕርቡ ነይሮም። ኣጋ ዕርበቱ ይኹን እምበር ብዙሕ ጠቃሚ ግብዓታት ነይርዎ። ንእሽተይ እውን ዶ ተግባራዊ ኾይኑ? ኣብ ምድላው እዋን ዝነበሩ ጄኔራላትን ኮሎኔላትን ዝሰምዐና ሲኢና ዝብል ምንፅርፃር ክሳብ ክንደየናይ ዓቕሚ የልምስ ከምዝንበረ ዓቢዪ መግለፂ እዩ።

ነባር ዓቕሚ ኣብ ምልማስ ዝነበረ ኹነታት ሓደ ነበር ኣባል ማ/ኮ እናስቆርቆረ ብኸምዚ ይገልፆ። “ኣብ ምድላው እዋን ስውእ ኣምባሳደር ስዩም መስፍን ዝመርሐና ብርክት ዝበልና ተተካእቲ ማ/ኮ ዝንበርና ተውዲብና ነይርና። ዝዓቕምና ንምውፋይ ነይሩ። እቲ ኹንታት ከመይ እዩ ዘሎ ኢልና ሓቲትናስ ናይ ደሕንነት ጉዳይ እዩ ኣይምልከተኩምን ኢሎምና”

ብዙሕ ዘይተዝረብሉ ክህልው እዩ። ኣነዝፈልጦ ከካፍለኩም። ብዝርደአኒ ቓልሲ ህዝቢ ትግራይ ዘፍረዮም ሰለስተ ወተሓደራዊ ስትራተጂስትስ ነይሮም። ስውእ ወዲ ዜናዊ፤ስየን ፃድቃን። እዚ ዓይነት ስትራተጂስት ንምዃን ፖለቲካዊ ስትራተጂስት ምዃን ቕድመ-ኹነት እዩ ወይ ጎኒ ንጎኒ ክኸይድ ኣለዎ። ፊልድ ኮማንደር ምንባር ዓቢዪ ወስኽ እዩ። እቲ ወሳኒ ጠቅላላ ፖሊትካዊ ኣምራርሓ ኻልኦት ብርክት ዝበሉ ዝሓውስ ነይሩ። እቲ ሜዳ ዉሩያት ፌልድ ኮማንደራት ከም ስውእ ሓየሎምን ሳሞራን ካልኦት ተዋዲዱ ናብ ዓወት በፂfh።

ፃድቃንን ስየን ካብ ዝነበሮም ተሞክሮን ደሓር ዝቕሰምዎ ትምህርትን ተብጊሶም ካልኦት ሓገዝቲ ገይሮም ኹናት ከይህልው ምክልኻል እንታይ ንግበር? ተገዲድና እንተኣቲናዮ ከመይ ይመራሕ ዝብል ንኣዋርሕ እናተንንተኑ እናተማያየጡ ብሰነድ አዳልዮም ንመቐሉ ኸይዶም ምስ መብሪሂኡ ኣረክቡ። እሞ እንታይ ይኹን ንበለል ተሪፉ ።

ቕድም ክብል ፃድቃን ናይ ኢትዮጵያ ፖሊካዊ ኹንታትን እንተታትን ብፅfhፍ ዘርገfh ነይሩ። እቲ ዝንበረ ፖለቲካዊ ውጥጥ መስረት ገይሩ ኹናት ከይላዓል ምስ ዘሕስቦም ዝነበሩ ገለ ላዕለዎት መራሕቲ ኦሮሞን ናይ ትግራይ መራሕቲ እናተመላለሰ ተደጋጋሚ ብምርኻብ ንምዝሕሓል ፈቲኑ። ኣይኮነሉን። ደሓር እውን ምስ መራሐቲ ኣምሓራ ብውሕድ እቲ ዕፅዋ መንገዲ ከልዕሉ (ተሰማሚኦም ነይሮም) እቲ ፅልእታት ክዘሓሕል ይፍትን ነይሩ።

“የ 27 ዓመታት ጨለማ”ን ዝመሳስሉ ጭርሖታት፤ መንግዲ ምዕፃው ዝበሉ ተግባራት፤ምስ ሻዕቢያ ዝንበረ ወደኽደኽን ምስ ምስረታ ኦሮ-ማራ ዝተፈጠረ ናይ ኹናት ህዋህውን ዝፈጦሮ ናይ ሓይልታት ሚዛን ለዊጢ መሰረት ገይርካ ኹናት ንምትራፍ እዚ ዝበሃል ፖሊቲካል ይኹን ወታሃደራዊ ስትራተጂታት ብምጥቃዕ፤ምክልኻል/ ምንሳሃብ/ምዝላቕ ዝግለፅ ዝምልከት ኣንፈታት እንተይተሓንፀፀ ብደመ ነብስ መሪሒነት ትግራይ እናፈከረ ኹናት ትጀምረ።

ኹናት ተውሊዑ ንህዝቢ ትግራይ ክቃለሱ ምስኦም ህይወቶም አሐጊሮም ኸርተት ዝብሉ ዝነበሩ ናይ ኣመራርሓ ብቕዓት ዝነበሮም ቑልፊ ሰባት ብምግላል እውን ዓቕሚ ትግራይ በቲኖም እዮም። ተወልደ ወልድማርያም ናይ ቐደም ተሞክርኡ ከምዘለዎ ኾይኑ ኣብ ኢትዮ-ኤርትራ ኹናት (1990-1992) ከም ፖለቲካል ስትራተጂስት ቑልፊ ተራ ዝነበሮ ተጋዳላይ እዩ። ሙሉጌት ገብረሂወት (ጫልቱ) ኣብ ሰራዊት ይኹን ኣብ ፖለቲካ ኹሉ መዳይ ዓቕሚ ዝወነነ እዩ። ትምህርቲ ውሲኹ ዝተወንጨፈ እዩ። ካብ ምብዝሕቶም ስራሕ ፈጸምቲ ህወሓት ንባዕሎም አብቲ ናይ ኹናት ማእኸላይ ኮምንድ ዝመደቡ አዐርዩም ዝበልፁ እዮም። ዓቕሞም ሓንሺሾሙዎ አብ ምውሳን ይትረፍ ኣብ ምምኻር እውን ክፅግእዎም ኣይደልዩን? ንመንታይ? ዕቑር ዓቕሚ ዘለዎም ካብቲ ሓዱሽ ትውልዲ ከመይ አሳቲፎም? ኣብ ኹናት ናይ ዝኾን ሰብ ዓቕሚ ትርጉም ኣለዎ ናይ ኣመርርሓ ዓቅሚ ግን ናይ ብዙሓት ሂወት የድሕን ናብ ዓወት ከምርሕ ይኸእል።

ንስሃ ምእታው ኣብ ሃይማኖት እኹል ክኸውን ይኽእል፣ ክንዲ ዝተነሳህካዮ ዝኸይድ ተግባር እንተዘይሃልዩ ንስሃ ንበይኑ ኣብ ፖሊቲካ ጥፍኣት እዩ፡፡ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶሪያ መሊሶም “ናይ ስትራተጂክ ኣማራርሓ ውድቀት” ኣጋጢሙና በሉ ከም ዝለመድዎ ምንም ሓላፍነት እንተይወሰዱ መሰረታዊ ምትዕርራይ እንተይገበሩ እቲ ውድቀት ብነቐፌታ ዓርሰ ነቐፌታን ጉባኤ ክነማሕይሽ ብዝብል ሰልጣኖም ከድልድሉ ላዕሊ ታሕቲ ይብሉ ኣለው።

ብቕዓት ስትራተጂክ ኣመራርሓ ክትዕድጎ፤ክትልቅሖ፤ ኣኼባ ብምብዛሕ፤ ወይ ናይ ህዝቢ ኣጀንዳ ዝመስል ብምጭራሕ ኣይትኽእልን። ንእሽተይን ንህዝቢ ምሕሳብን ቕንዕና ተዝህልዎም ኣብ ውድቦም ይኹን ካብኡ ወፃኢ ዘሎ ዕቑር ዓቕሚ ንዘለዎ ብምርካብን ምችው ኹነታት ብምፍጣርን ግደኦም ምተፃወቱ።

) ንምንታይ ትግራይ ዳርጋ በይና ንፅንተታዊ ኹናት ገጢማ

ውሽጣዊ ዓቕሙ ዝበተነ ስርዓት፤ መሓዛ የርሕቕ፤ የውሕድ፤ ፀላኢ ይፍልፍል የብዝሕ። ህዝብታት ኢትዮጵያ ንሓልፍቲ ትግራይ ክመርfh ዝተውሃበም ዕድል ተሓንሺሸ ንተጋሩ ዕዳ ኾይኑ። ኣብ ካልኦት ህዝብታት ዝህሉው ድሕረታት እናቖምልና እንተዋዕልና ብዙሕ ትርፊ የብሉን። እቲ ኹንታቶም ከምዝለዎ ኾይኑ ማለት ኣብ ክብረታቶም ተደሪኾም ባዕሎም ዝቃልስዎ ኾይኑ ኣብ ርክባት ህዝብታት ናይ ባዕልና ጠንካራን ደካማ ጎንታት ምድሕሳስ ይግባእ።

ብምኽንያት ወተሃደራዊ፤ ፖለቲካዊ፤ ኢኮኖሚያዊ ፤ ዓለም-ለኸ ሕግን ዲፕሎማሲን ኣብዚ ዘለናዮ ዓለም ዝኾነት ሃገር እንኮላይ እተን ሓያላን ሃገራት ብሔራዊ ረብሓታተን በበይነን ብዝተማለአ መንገዲ ከረጋግጻ ኣይኽእላን። ነዊሕ ዝእምት ወይም ናይ ሓጺር እዋን ጥምረታት ብምድላው እየን ዝንቀሳቐሳ። ትግራይ እውን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ትኹን ከም ነፃ ሃገር ብሔራዊ ረብሓታታ ክተርጋግፅ እትኽዕል ናይኩሎም ኣብ ከባብኣ ዘለው ህዝብታት መስል ብዘኽብር ምስ ዓርሰ- ውሳነ ብምትከል ዝቕበሉ ሓይልታት ስትራተጂካዊ ፅኑእን ምስ ስልታዊ መሓዙት ምስ ኹንታት ዝኸይድ ፅምዶታት ክህሉው ብምግባር እዩ።

ውሽጣዊ ዓቕሚ ኣብ ምብታን ከም መርኣያ ዝተውሰዱ ሕገ-መንግስታዊ ህሞታት ኣብ ፈታዊ ምርሓቕን ፀላኢ ምብዝሕን ይሰርfh እዮም። መሰል ህዝብታት ብምግሃስ ዝፍፀም ስለዝኾነ። ሽግግር እዋን ናይ ሲዳማን ናይ ኦነግን፤ 1997 መላእ ህዝቢ ዘቖጠዐ መርፃ፤2008 እቲ ቑጠዓ ገንፊሉ ብ ህዝባዊ እምቢታታ ዓምቢቡ ናይ ስርዓት ለውጢ ምህታት ዝተጀምረሉን አብዚ ጉዕዞ እዚ እቶም ቐንዲ መራሐቲ ተጋሩ ስለዝነብሩ ኽሉ ሓጥያት ናብ ኦም ስለዝተዘኽዝኸ (ተጋሩ እውን ብዝግባእ ስለዘይተቓልስናዮ ) ፀር ትግራዋይነት እና በርትዐ ኸደ። 2010 ኮር ኢህወዴግ ዝኾነ ህወሓት ተሳዒሩ እናሃለወ (ብትሕዝቶ ኢህወዴግ ፈርሱ ነይሩ) ኣለኹ እየ ብዝብል ዝገብሮም ዝነበረ ኣንፈት ዝሰሓቱ ጨብርቕረቕ ን እቶም “ኣሓት ውድባት” እውን ልክዕ ከም ህወሓት ስለዝበስብሱ ንስልጣኖም ዓንቃፍቲ ገይሮም ስለዝሓስቡን ኣንፃር ትግራይ ምንቅስቃስ ተብራቲኡ።

ብ1984 “የትግሬ የበላይነት” ኣብ ውfhዳት ብጣዕሚ ውfhዳት ፅንፈኛታት ዝብሃል ዝነበረ እንተነበረ እውን ህዝብታት ኢትዮጵያ ግና ኣብ እዝኖም ዘፀግዕዎ ኣይነበረን፡፡ ብናተይ ኣረኣእያ፣ ብመሪሕነት ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝነበሮ ኣበርክቶ ህዝብታት ኢትዮጵያ ብግልጺ ይኹን ብዘይግልፂ ኣፍልጦ ሂቦሞ እዮም፡፡ ተጋሩ ከም ኣምባሳደራት ዝራኣይሉ ኩነታት ተፈጢሩ፡፡ ንምንታይ ከምዝኾነ ዘይርደአካን መሕዘንን ኾይኑ ንኣስታት 20 ዓመታት እቲ ዝላዓለ መንግስታዊ ስልጣን

ማለት እውን ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ናይ ወፃኢ ጉዳይ፣ ኢታማጆር ሹም፣ ደሕንነትን… ወዘተ ንርእሰ ጳጳስን ሓዊስካ ብተጋሩ ጥራይ ተታሒዙ እንዳሃለወ “ይኹን ይግብኦም እዩ” ዝዓይነቱ ኣተሓሳስባ ሒዙ ንኹሎም ፅንፈኛታት ነጺጉ ሰላም ዝነገሰላ ሃገር ነይራ፡፡

ነገር ግን ሓደ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝነጥፍ ኦሮሞታይ ከምዝገለፆ፤ “ህወሓት ከም እኖ ኾይና ንብዙሓት ብሄራዊ ዉድባት ወሊዳ ብፅቡቕ አዕብያተን፤ ከም ፅብቕቲ እኖ ዘለዋ ሂባ ብዙሕ መስዋእቲ ኸፊላ ኣባፂሓተን ። ቐፂሉ ናይ ህወሓት ፀገም ደቃ ባፂሖም ካብ ታተ ወፅዮም ብኽልተ እግሮም ጠጠው ምባል ምስ ጀመሩ ምብፃሖም ምቕባል ዝአበያ እኖ እያ” ። እቲ ነጣፊ ብውድባት ብዝምስል ይግለፆ እምበር ብቑም ነግሩ ንህዝብታት እዩ። ኣብ ደርጊ ምድምሳስን ናይ ውልቀን ናይ ብሔር መሰል ብዝርጋግፅ ስርዓት ምዝርጋሕን ህወሓት ቑልፊ ግደ ነይርዋ። ነዚ መሰላት ህዝብታት እናጠዓዓሙ ብዝተማለ ንኽርጋገጽ ምቅላስ እንትጅምሩ የለን “ንሕና ቖንጢርና ዝሃብናካ እምበር ካልእ ኣይፍቀድን” ብዝብል ናይ ህዝብታት መስላት ምግሓስ ገና ተጀሚሩ። ናይ ህዝቢ ሲዳማ ቓልስን ዝበፅሖ ግፍዕታትን ሓደ መግለፂ እዩ።

ኣብ ትግራይ ኻልኣይ ወያነ ኣብ ዝውልዐሉ ግዜ ኽባቢ “ምንቅስቓስ ንሓርነት ሲዳማ” (Sidama Liberation Movement) ብዝብል ህዝቢ ሲዳማ እውን ንመሰል-ዓርሰ ውሳነ ምቅላስ ጀሚሩ። ብዝሕ መስዋእትነት እውን ክፊሉ። ናይ ደርጊ ምውዳቕን ምጥያሽ ሽግግር መንግስትን ከም ናይ ቓልሲ ፍረ ወሲዶም ብሃንጎፋይ ካብዝተቐብሉ ህዝብታት ሓደ ነይሮም። እቲ ደሓር ክልል ደቡብ ተባሂሉ ብሓይሊ ዝተጣየሸ ክልል መጀመሪያ ሓምሽተ ዝተፈላልዩ ክልላት ነይሩዎ። ካብ ዚኦም ሓድ ክልል ሲዳማ ነይሩ። እቲ ስርዓት ካብ መሰል-ዓርሰ ውሳን ምኽባር ናብ ምምሕዳራዊ ውህደት ምዝምባል ጀሚሩ ካብ ናይቶም ህዝብታት ድልየት ወፃኢ እተን ሓሙሽተ ዝነበራ ጨፍሊቑ ክልል ደቡብ ዝብሃል ኣጣይሹ።

ህዝቢ ሲዳማ መሊሱ ንመሰል- ዓርሰ-ውሳነ ብህዝባዊ ሰላማዊ እምቢታ ምቅላስ ጀሚሩ “ብጭፍጨፋ ሎቄ” (Looqqe Massacre) ኢሎም ብዝፅዕዎ ብዓሰርተታት ተቐቲሎም 200 ዝኾኑ ቖሲሎም ናብ 1000 ዝኾኑ ብምእሳር ንግዚኡ እውን ክእፈን ተሞኪሩ። ኦሮሞ ነፃነት ግንባር (ኦነግ) ካብቲ መስርሕ ምውፃእ ናይ ባዕሎም ሽግር እንተነብረውን ኣብ ኣተሓሕዛ ናይቲ ጉዳይ ካብ ህዝቢ ኦሮሞ ኣንፃር ብዙሕ ፅልግልግ ዝነበሮ እዩ።

ካብ ስልጣን ምብሓት ድልይትን እቶም ገዘፍቲ ብሔራት ብምፍራሕን ዝኾነ መሰሉ ንዝሓተት ውልቀ-ሰብ/ጉጅል ትምክሕተኛ ፅቢብ ምልጣፍ እናሐደሮ ዝኸደ በሰላ ፀረ-ትግራዋይነት ናይ ፅንፈኛታት ደምበ ክጥንክር ዓብዪ እጃም ነይሩዎ።

ኣብ ወሰን ወሰን ኣዲስ ኣበባ ዝነብር መንእስይ በጋጣሚ ተራኺብና “ ናይ መሬት ሕቶ ነይሩኒ መሰለይ ይክበርለይ

ኢለ ምስ ተኽራኸርክዎም ‘ውጣ አንተ ኦነግ ኢሎም’ ኣባሪሮሙኒ ለካ ኦነግ ዝበሃል ሰሚዓዮ ዘይፈልጥ ንመሰለይ ዝቓለስ ውድብ ኣሎ ኢለ ብምዕዶ ምክትታል ጀሚረ”ይብል። “ኦህዴድ ፋቅ ቢያደርጉት ኦነግ ነው” ዝብል ኣዘራርባ ንእሽተይ ትንፍስ ዝበለ ንምዕፋን ክሳብ ክንደየናይ ይኸይድ ከምዝነበረ ኣብነት እዩ፡፡

ህዝብታት ኣምሓራ ብናይ ኢህዴን/ብኣዴን ምምሕዳር እንተበሳበስ ብናይ ህወሓት ቡራኬን ድልየትን ተገይሩ ዝውሰደሉ ኹነታት ነይሩ። ኣብ ዲይስፖራን ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ ነቲ ዝሞተ ስርዓት ክመልሱ ዝገብርዎ ዝነበሩን ብ1997 መርፃ ዝተደናገፀ ስርዓት ናይ ህዝቢ ኣምሓራ መሰረታዊ ሕቶታት ብምምላስ ክንዲ ዝስዕሮም ንኹሉ ናይ መስል ሕቶታት ትምክህተኛ ብምባል ክዕፍን ፈቲኑ። ህወሓት/ኢህወዴግ ፖለቲካሊ የምና ቦጅባጅ ኮይኑ ከም ደራፋይ ቴድሮስ ካሳሁን ኢንተርቪው ኣፍሪfhዎም ክሳብ ብላዕለዎት ምዕጋድ ተበፂfh።

ኣብ ክልል ሶማልያ ምስ ናይ ዓብዲ ዒለ ይውረድ ኣይውረድ ውሽታዊ ፓርቲ ንህንህ ኣብ ተጋሩ ላዕለዎት ስብ ስልጣን ብዝነበረ ምጉጅጃል (ዓብዲ ዒለ ዝድግፉን ዝቃወሙን) ነበር ጠ/ሚኒስትር ኃይለማር ምፍታሕ ኣብዩዎ ዕንይንይ እንትብል ዝነበረ ህዋህው ድሓር ዓብዲ ዒለ እንተዘይፀንfh ናይ ክልል ፀጥታ ተረከብና ብዝብል መትሐጃ (blackmail) ዝነበረ ምትእተታው ኣብ ካልኦት ክልላት ዝነበረ እውን መርአያ እዩ።

መመዘኒኦ ክውንነት ኣለዎዶ/ ርትዓዊ ድዩ ኣይኮነን ብዘይግድስ ናይ “ኣጋር ድርጅቶች “ ንትርጉም ዘለዎ ሕ/ሰብ ዘግለለ ነይሩ። ናይ ፓርቲ ጉዳይ እዩ ከይንብል ብናይ “መሪሕ ፓርቲ” መትክላት ዳርጋ ኹሉ ነገር ኣብኡ እዩ ዝውሰን።

ልክዕ ከም ትግራይ፤ መራሕቲ ክልላት ካብ ኣራት ኪሎ ዝምረፅሉ፤ ክሳብ ታሕቲ ዘሎ ናይ ምምሕዳር ፀፍሒ ብኔትዎርክ ዝዝርገሐሉ መርፃ ንይምሰል ዝኾነሉ፤ መሰሉ ዝሓትት ሰብ ፀቢብ ወይ ትምክህተኛ እናተብሃለ መከርኡ ዝርኤሉ፤ ካብ ገዛእቲ ፓርቲታ ወፃኢ ዘለዎ ፈለኽልኽ ዝብላ ተናሓናሕቲ ብምምህዳርዊን ሓይሊን ክለምሳ ዝግበርሉ፤ ሙሁሩን ባዓል ሓፍቲን ዝግለሉ ኹነታት ተፈጢሩ። እተን ናይ ፌዴራል ሕገ-መንግስታዊ ትካላት (ቤት-ምኽሪ፣ቤት-ፌዴረሽን፤ቤት-ፍርዲን)

ካብ መጀመሪኡ እውን ለማሳት እንተነብራ እናገደደ ኸይዱ በኺተን ሙሉእ ብሙሉእ አብቲሕቲ እቲ ስራሕ-ፈፃሚ ዝኾናሉ ኹንታት ተፈጢሩ። ቑፅፅርን ሚዛንን ጠፊኡ ብልሹው/ሙሰኛ ስርዓት ኾይኑ።

እቲ ስትራተጂካዊ ኣመራርሓ ክቕፅልን ከጎልብትን ዘኽእል ዝነበረ ምሁር ኣርሒቓ ናይ ትውልዲ ምስግጋር ኣዐንቒፋ ተጋደልቲ ነበር ጥራይ ዝመርሕሉ እዩ ተራእዩ፡፡ ኣብተን ኣሓት ውድባት እውን ንተላኣኽትን ተበለጽትን ብምትብባዕ ንህዝቦም ዝሕለቑ ስትራተጂክ ኣመራርሓ ዘለዎም ዘይኮነስ ተበለፅቲ ክመርሕወን ኣብ ምግባር ናይ ባዕላ ግደ ተፃዊታ እያ፡፡ እቲ ኣብ ሕገ- መንግስትና ዝፀደቀ ናይ ህዝብታት ሰብኣውን ዴሞክራሲያውን ክንዲ ቀስ ብቀስ እንዳተጠናኸረ ዝኸይድ እንዳጠንበሰ፣ ጸረ- ዴሞክራሲያዊ ኩነታት እናነገሰ ህዝብታት ናብ ዓመፅ ከምርfh ገይርዎም እዩ፡፡ ዓመፅ ይመፅእ ዘሎ ምዃኑ ብኣግኡ ዘይተረድአ ምስ ኣጋጠመ ድማይ ዕንይንይ እንዳበለ ቁልጡፍ ምላሽ ዘይሃበ መሪሕነት ኮይኑ ደምበርበር ይብል ኣሎ፡፡

ተጋሩ ብዘይኣገባብ ኣብ ልዕሌና ዝንዛሕ ዝነበረ ፀልመታት ኣበይ ከይበፅfh ዝብል ትዕቢት ኣይተኸላኸልናን። ሰብ ስልጣን ተጋሩ ኾይኖም ሰብኣዊ መሰላት ዝጥሕሱ ዝነበሩ እውን ኣይተቓልስናዮምንም ፅልዓት ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ክሰፍሕ ብምግባር ስትራተጂክ ደገፍቲ ኣስኢኑና። እቲ ብእዋኑ መጎሃሃሪ ዝኾነ ናይ ኣዲስ ኣበባ ማስተር ፕላን ህዝቢ ኦሮሞ እናተቛዎሞ (ኦሮሚያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለዎ ፉሉይ ሕገ-መንግስታዊ መሰል እንተይተረጋገፀ) ንምትግባር ዝተገበረ ምንቅስቃስ ናይቲ ላዕላዋይ መሪሕነት ፀረ-ህዝብነትን ድንቑርናን ዘርኢ ኾይኑ ንቲ ፀረ ትግራይ ፅልኢት ኣጋዲድዎ እዩ።

ኦሮማራ ዝብል ዘርኣዊን ዘይተቐደሰ ጥምረት እንትምስረት ንኽኹሎም ህዝብታት ናብ ሓድጋ ዘአትው ከምዝኾነ ብዘማላኸት ካብቶም ህዝብታት/ውድባት ባዕሎም ብተቓውሞ ክደክም ዝገብር ስራሕ ክንዲ ምስራሕ ምንም ሕ/ስባዊ መሰረት ዝይብሎም “ናይ ፌዴራል ሓይልታት ውዳበ” ንውሎ ኣበል ዝስልፉ “ኣየለ ጫሚሶታት” ኣኪቦም ብናይ ባሎኒ ጉራ ተፅምቢሎም ትግራይ ነቶም ህዝብታት ሓደጋ እያ ንዝብሉ ምችው ኹንታት ፈጢሮሙሎም።

እቲ ዘግረም ናይ ሲኣይኤ ሉዑኻት “ዓዳዲዖም ዝትንትኑ ፈላጥት” እናሃለው ብኣዴንን ኦህዴድ ተማሳጢሮም ሓዱሽ ናይ ኢህወዴግ ኣቦ ወንበር ዝምረፅሉ ኹንታት እንትፈጥሩ ብድንገት ተታሒዞም ተዳናጊፆም እንትብተኑ ክሳብ ክንደያናይ ዓቅሚ ዝብቱኑን ምስ ካልኦት ዘባእሱ ምዃኖም ዘማላኽት እዩ።

“ኣይ ሰላም ኣይ ኹናት” ዝነበረ ኹነታት ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራ ኣይ ብሰላም እንተተገዲድና ብኹናት ዘይምፍታሕና ዝቖሰለ ድጉል ፀላኢ ብሰሜን ኣቐሚጥና ኣብቲ ህዝቢ ዝግባእ ብዘይምስራሕና እቲ ስትራተጂክ መሓዛና ኣስኢኑና ብኹሉ ክንኽበብ ኾይኑ። ዓይኑን መርፍእኡን ዝጠፍኦ ዲፕሎማሲ እውን ፀላኢ እምበር ፈታዊ ዘይጥሪ ኾይኑ ንፅንተት ኣብፂfhና።

እቲ ብናይ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን መስዋእትን ቃልስን ዝድነቕ ዝነበረ ህዝቢ በቲ ዘለዎ ጭቡጥ ኩነታት ኣንፀርፂሩ “የትግሬ የበላይነት” ምስማዕ ጀሚሩ፡፡ እቲ ዝነበረ እምነት ክሽርሸር እንከሎ ብስምዒት ናብቲ ሓደ ጫፍ ምኻድ ጀሚሩ። ንኢህወደግ ዝመርሕ ዘሎ ህወሓት ኢዩ ዝብል እምነት ዝነበሮ ህዝቢ ኣብ ውሽጡ ብሔሩ ዘለዉ ምብስባስ፤ ውንጀልን ግስርጥና ክንዲ ብፁኑእ ዝቃለስ ናብ ህወሓት ትግራይ ምንቕዕራር ጀሚሩ። ኣይ ዝረኸቦ ትግራዋይ! ኣብ ክልተ ሓዊ እንዳተጠበሰ “ኣይንደልየካን” ዝመልእኽቱ ኣብ ህይወቱን ንብረቱን መጥቃዕቲ ክበፅሕ ከሎ ህዝብታት ሙሉእ ብሙሉእ ዘይከላኸልሉ ኩነታት ተፈጢሩ፡፡

ዝኾነ ህዝቢ ናይ ባዕሉ መንነትን ክብርታት ኣለዎ። እቶም ኣዎንታዊ ክብርታት ኩሉጊዜ ምስ ድሕረታት ዝተላዕጠጡ እዮም። ነቶም ድሕረታት ተበሊፁ ሰልጣኑ ንምድልዳል ህዝብ ንህዝቢ ምግጫው ዝተለመደ እዩ። ኣብ ኻልኣይ ዓለም ኹናት 6 ሚልዮን ኣይሁድ ዝወድኡ ጀርመናዊያን “ዘይሰልጠኑ” ህዝቢ ስለዝኾኑ ኣይኮነን። ኣብ ኣሜሪካ ስርዓታዊ ዘርኣዊነት (systematic racism) ምንጋስ ዘበናዊነት ስለዝይብሎም ኣይኮነን።

ፈተና ኣይፈተና፤ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ንሃሉው ወይ ነፃ ሃገር ንመስርት ምስ ኣብ ከባቢና ዘለው ህዝብታት ፖለቲካዊ ሓይልታትን ተሳማሚእና ክንነብር ኣለና። ብሓባር ኣዎንታዊ ክብርታት እናጉለህናን እናማዕበልና ድሕረታትና እናተቓልስና ሰላም ዝነግስሉ ኹነታት ክንፈጥር ይግባእ።

V. መበግሲ ኣምራት ፖሊሲ ደሕንነትን ጉዳይ ወጻኢ

ሀ) ምትእስሳር ሕገ -መንግስቲ፤ ብሔራዊ ረብሓታት ፤ ፖሊሲ ደሕንነትን ጉዳይ ወጻኢ

ዝተማለአ ዴሞክራስያዊ ሕገ-መንግስቲ ማእኸሉ ናይ ህዝቢ/ታት መሰላት ነፂሩ ኣቐምጡ ምእንትኡ ናይ መንግስቲ ቕርፂ (structure) ስልጣንን ግቡእን ከምእውን በይናይ ናይ መረፃ ስርዓትን ከም ዝጣየሽ ዝድንግግ እቲ ዝለዓለ ሕጊ እዩ። ኣብ ግድን ዘድሊ ዝመሓየሽ ኾይኑ መሰረታዊ ትሕዝትኡ ንዓሰርታት ዓመታት (decades) ክሳብ ክፍለ- ዘመናት ዘገልግል እዩ። ንኹሎም ሕጊታትን ፖሊሲታትን ዝገዝእን ኾሎም ንዕዑ ጥራሕ ከንፀባርቑ ዘገድድ ቅዋም እዩ።

ናይ ህዝቢ መሰላት ብቕፃልነት እናተርንዑ ስለዝኸዱን ብምኸንያት ዉሽጣዊን ደጋዊ ኹነታት ኣብ ሓደጋ ክወድቑ ስለዝኽእሉ ምስቲ ጭቡጥ ኹነታት ተኣሳስሩ እቶም ሕገ-መንግስታዊ መሰላት ተግባራዊ ክኾኑ ናይ ሓፂር (0-5/7)፤ማእኸላይ (5-15) ኪኖኡ ድማ ናይ ነዊሕን ብዝብል ብሔራዊ ረብሓታት ይንፀሩ፤ ንዚኦም ዘተለልዩ ረብሓታት ተግባራዊ ንምግባር ደማ ፖሊሲ ደሕንነትን ጉዳይ ወፃኢን መሳ ንመሳ ይሕንፅፁን ብዕቱብ መሰረት ክሕዝ ይግብር።

ብ1987 ዘፀደቐ ሕገ-መንግስቲ መሰረት ገይርካ ትግራይ ብሔራዊ ረብሓታት (ዝተነፀረ ነይሩ ዶ ኣይነበርን ገዲፍካ) 1987-2002 (ማእኸላይ) ፣ 2008-2013 (ሓፂር) እንታይ ክምስሉ ይኽእሉ? 2015 ድሕረ-ፕሪቶሪያ ኸ ኣለና ዶ? 1987 ምርግጋዕ ተጀሚሩ ትስፋ ተሰኒቑ ህንፅት ዴሞክራሲን ልምዓትን አብ ዝትጀምሩን ሕዚን ድሕሪ ፅንተት ዝህልው ረብሓታት መበገሲኦም ሕገ-መንግስቲን ማእኾለም ህዝቢ እንትኾኑ እዃ በቲ ኹንታት ምኽንያት እቲ ዝለዓላ ዘይኮነ ብቲ ዝተሓተ ህዝቢ ካብ ቐፃልነት ዘለዎ ፅንተት ምድሓን ይኸውን።

ናይ 17 ክ/ዘ ናይ ዌስትፌልያ (Westphelia) ኣምራት ሉዓላዊነት (ማእኸሉ መንግስትን ገዛእትን) ዝኾነ ምስ ናይ 21 ክ/ዘ ሰለስተ ትውልዲ መስላት ኣፍልጦ ንዝሃበ ሕገ-መንግስቲ (ህዝቢ ማእኸል) ንዝገብረ ብሔራዊ ረብሓታትን ፖሊሲ ደሕንነትን ጉዳይ ወፃኢን ንምትንታን ምፍታን ናብ ውድቀት ዘምርሕ እዩ እሞ ምጥንቃቕ የድሊ።

ለ) ኣምራትን ምደባ ረብሓታት

ከም ዝበዝሕ ናይ ዓለምለኸ ርክባት እዚ ኣምር ኣድማሳዊ ቅቡልነት ዘለዎ ትርጉም ንምሃብ ኣፀጋሚ እዩ

ባህጊ ሰብኣዊነት (Humanity) መሰላተይ ዝብሎም ብሙሉእነት ዝሕሉው ዘላቕነት ዘለዎ ሰላም ዘርጋገጽ ብቐጻልነት ማሕበረ_ኢኮኖሚያዊ ልምዓት ዝዕምብብ ተባሂሉ ይሕሰብ። ሰብ ከም ማሕበራዊ እንስሳ ዝተወደበ እዩ።

1 ኣምራት ብሔራዊ ረብሓታትን

ብሔራዊ ረብሓታት ሓንቲ ብሔር ህልውናን ቐጻሊ ዕብየትን እትሕልወሉ ኣጠቓላሊ ቀዋሚ መምርሒ ኾይኑ  ውሽጣውን ንወጻእን ፖሊሲታታ ዝመርfh ስትራተጂካዊ ዕላማታት (objectives) እዮም።

ሃገራት/ ብሔራት ብብርኪ ስልጣነ ኣጠቓላሊ ምዕባለ፣ ዴሞግራፊ፤ሓፍቲ፡ገነት: ጂኦፖለቲካዊ ኩነታት መንነትን ክብርታትን ወ.ዘ.ተ ዝፈላለዩ ስለዝኾኑ ነናይ ባዕሎም ፍሉይ ረቛሒታት ይህልዎም። ዝማዕበላ ሃገራት ናብ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ከዘንብላ እንከለዋ ሳልሳይ ዓለም ናብ ውሽጢ ጠመተ ይህባ። ብምኽንያት ግዜን ቦታን (time and space) ክቀያይር ይኸእል እዩ። ብሔራዊ ረብሓታት እንትንብል

  1. ብሔራዊ ደሕንነት፦   ደሕንነት ህዝቢ፡ መሬት፡ ልኡላውነትን ብሔር ካብ ዝኾነ ወተሃደራዊ ምጥቃዕ፡ ግብረሽበራ ወይ ካልእ ዓይነት ዓመጽ ሓዊሱ ካብ ውሽጣዊን ግዳማዊ ስግኣታት ምክልኻል ቐንዲ ረብሓ እዩ።
  • ፖለቲካዊ ልኡላውነትን፡- ናጽነትን ርእሰ-ምሕደራን ህዝቢ ካብ ግዳማዊ ጽልዋ ወይ ቁጽጽር ምዕቃብ ግዝኣታዊ ምሉእነት/ ሓድነት (Territorial Integrity) ፦ ዶባትን ግዝኣታዊ ጠለባትን ብሔር ካብ ምጥሓስ ካልኦት ግዝኣታት ወይ ኣካላት ምሕላው።
  • ቁጠባዊ ደሕንነት ልምዓት ፦ ወሳኒ ጸጋታት ምርካብ ምርግጋጽ፡ ቁጠባዊ ምርግጋእ ምሕላው፡ ቁጠባዊ ዕብየትን ምዕባለን እታ ብሔር ዘደንፍዕ ኣህጉራዊ ንግዳዊ ስምምዓት፣ ናይ ወፃኢ ወፍሪ፣ ቁጠባዊ ሽርክነት
  • መንነትን ክብርታትን፡- ሰብኣውን ስነ-ምግባራውን፤ ብሔራዊ ሞራላዊ መርገጺታት፤ ታሪኽ ፤ ባህሊ ቋንቋን ምዕቃብ; ምስፋሕን ምዕሟቕን
  • ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት፡- እታ ብሔር ጽልዋን ዓቕምን ኣህጉራዊ ስርዓታትን ፖሊሲታትን ንምቕራጽ ዘዕብዩ ምሕዝነት፡ ሽርክነትን ዲፕሎማስያዊ ርክባትን ምምስራትን ምሕላውን።

2. ምደባ ብሔራዊ ረብሓታት

፩. ቀዳምነታት ንምንጻር፣ ጸጋታት ንምምዳብን- ተሪርን (Hard Interests) ልስሉስን (Soft Interests)

ተሪር ረብሓታት

ዝጭበጥን ዝዕቀንን መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ንዋታዊ ዕላማታት። ንኣብነት፡ ቁጠባዊ ብልጽግና፡ ግዝኣታዊ ድሕነትን፡ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ተበጻሕነት ሃፍቲ

ልስሉስ ረብሓታት

ምስ ባህሊ፡ ክብርታትን ጽልዋን ዝተኣሳሰሩ ዘይጭበጡ ዕላማታት። ንኣብነት፡ ምድንፋዕ ዴሞክራሲ፡ ባህላዊ ዲፕሎማሲ፡ ምዕቃብ ሞራላዊ ስልጣን፡

ጸዋታ ምትሕውዋስ (Interplay) ኣብ መንጎ ልስሉስን ተሪርን ረብሓታት

መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ እዋን ቕልውላው ወይ ግጭት ተሪር ብሔራዊ ረብሓታት ቀዳምነት ክወሃቦ እንከሎ፡ ልስሉስ ብሔራዊ ረብሓታት ግን ኣብ ምዕቃብ ነዊሕ ዝጸንሕ ምርግጋእን ጽልዋን ወሳኒ ተራ ኣለዎ። ልስሉስን ተሪርን ረብሓታት ዘወሃህድ ሚዛናዊ ኣገባብ፡ ንጽቡቕ ምዕቡልን ዘላቕን ስትራተጂ ፖሊሲ ወጻኢ ኣድላዪ እዩ።

ቀዳምነታት ምቕያር፦ ልስሉስ ተገዳስነት ከከም ዓውደ-ጽfhፍ ተሪር ረብሓ ክኸውን ይኽእል እዩ (ንኣብነት፡ ጽልዋ ሳይበር)

፪. ብግዜ

ሀ) ናይ ሓጺር ግዜ (0–5/7) ዓመታት

ሃንደበታዊ ብድሆታት ወይ ዕድላት ምላሽ ምሃብ። ከም ቁጠባዊ፤ ማሕበራዊ፤ ምሕደራ ፤ናይ ውሽጢ ጸጥታ ቅልውላዋት ምርግጋእ ። ናይ ወጻኢ ሓይሊ ወራር ምምካት ። ብምኽንያት ጂኦፖለቲካዊ ምዕባለታት ይኹን ኻልእ ምኽንያታት ዝመጹ ጸጋታት ምሕፋስ

ለ) ናይ ማእኸላይ ግዜ (5–15) ዓመታት ምዕቃብ ስትራተጂክ ረብሓታት

ሐ) ናይ ነዊሕ ግዜ (15+) ዓመታት ምዕቃብ ስትራተጂክ ረብሓታት ኮይኑ ናብ ባህጊ ዘዘምበለ እዩ

፫. ብትኹረት– መንግስቲ ወይስ ህዝቢ ማእኸል ምግባር

ብሔር/ሃገር ብዘይ ውልቀሰባት ወይ ህዝባ ህላወ የለን። ኣብዚ መዋእል ብዘይ ብሔር/ ሃገር ሰብ ንኽነብር ንምሕሳቡ ዝከኣል ኣይኮነን። እቲ ጉዳይ እንታይ ዓይነት ብሔረ/ሃገረ- መንግስቲ እዩ።

ሀ) መንግስቲ ማእኸል ዝገበረ

  • ትኹረት፡- መንግስቲ ባዕሉ ከም ቀዳማይ ኣሃዱ
  • ቑልፊ ባህርያት
    • ፀጥታን ልኡላውነትን (Security and Sovereignty)
    • ስልጣንን ክብርን (Power and Prestige)
    • ቁጠባዊ ሓይሊ ንመንግስቲ (Economic Strength for the State
    • ምዕቃብ ስርዓት (Preservation of State)

ለ) ህዝቢ ማእኸል ዝገበረ

ትኹረት፡፡ ናይ ውልቀሰባት መሰላት ን ምዕባለን ምሕላው፡ ጠቕላላ ጽቡቕነት (well-being) ምርግጋጽ

  • ቑልፊ ባህርያት
    • ሰብኣዊ ደሕንነት (Human Security)
    • ቁጠባውን ማሕበራውን መሰላት (Economic and Social Rights)
    • ዘላቒ ልምዓት (Sustainable Development)
    • ዴሞክራስን ሓርነትን (Democracy and Freedom)

ሕገ-መንግስቲ ብሔራዊ/ሃገራዊ ረብሓታት ኣብ ምቕራጽን ምሕላውን መሰረታዊ ተራ ኣለዎ። ሕጋዊን ትካላዊን ቅርጺ ምሕደራ ብምትካል፡ ብሔራዊ/ሃገራዊ ረብሓታት ዝልለየሉን ዝስዓብሉን ዝሕለወሉን ትካላት፡ ክብርታትን ኣገባባትን ይህልዋ።

ብሔራዊ ረብሓታት ኣብ ውሽጢ ፌዴራላዊ ስርዓት፤ ክውንነት ናይዚ እዚ ሕቶ እዚ ክለዓል ዝኽእል ንብሔራት ኣፍልጦ ኣብ ዝህብ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት እዩ። ናይ ሓባር፣ ፍሉይ ተረፍን ስልጣን (Shared, exclusive and residual powers)

ሐ) ኣምራት ብሔራዊ ደሕንነት

ፖሊሲ ደሕንነትን ጉዳይ ወፃኢ ትግራይ ብመነፅር ሳይንሰን ጥበብን ናይ ካልኦት ሃገራት ተሞክሮታትን ንምንጻር ኣምራት ብሔራዊ ደሕንነት ኣሕፅር ኣቢልካ ክም ምብገሲ ምቕራቡ ኣገዳሲ እዩ።

ከምዝኾነ ናይ ዓለምለኸ ርክባትን ፖለቲካዊ ሳይንስን ብሔራዊ ደሕንነት ብርክት ዝበሉ ክልሰ-ሓሳብት ኣለዎ። ክውንነታውያን (Realism)፤ ሊበራሊዝም (Liberalism)፤ ኮንስትራክቲዝም (Constructivism)፤ ነቐፌታዊ ደሕንነት ፅንዓት (Critical Security Studies) ፤ማርክስነት (Marxism)፤ፌሚኒዝም (Feminism)፤ ፖስትኮሎኒያሊዚምን (Postcolonialism) ግሪን ክልሰሓሳብ (Green Theory) ኢሎም ይዝርዝርዎም። ዘለዎም ሓድነትን ኣፈላላይን ኣብ ግምት ዘእተወ ኣብ ሰለስተ ቤት ትምህርቲ ኣተሓሳስባ (School of Thought) ይምድብዎም። ክውንነታውያን፤ ኮፐንሃገንን ነቐፌታዊ ደሕንነት ፅንዓት ይብሉዎም።

፩ ክውንነታዊ ኣረኣእያ (Perspective) ቀንዲ ኣተሓሳስባታት (Core Assumptions)

  • መንግስቲ (State) ማእኸል ዝገበረ
  • ኣብ ተሪር ሓይሊ (ወተሃደራዊን ቁጠባውን ሓይሊ) ዘተኮረ
  • ልኡላውነትን ናይ መሬታዊ ምሉእነት ልዕሊ መሰል ዜጋታት የቐምጥ
  • ናይ ደገ ስግኣታት ናይ ምዕጋት ወይ ናይ ምስዓር ዓቕምን ዝተኣሳሰረ

፪  ኮፐንሃገን (Perspective) ቀንዲ ኣተሓሳስባታት (Core Assumptions)

  • ማሕበራዊ ህንጸት ስግኣታት ደሕንነት (Social construction of security threats) ብመልክዕ ጉዳያት ደሕንነታዊ ምግባር (Securitization), ናይ ህላወ ሓደጋ ወይ ስግኣት ኢልካ ምእዋጅ (speech act), መንነት ሓለዋ ዘድልዮ ኣብ ስግኣት ዘሎ ኣካል (referent object), ናይ ደሕንነት ጉዳይ ኢሉ ዝእውጅ ውልቀ ሰብ ወይ ትካል (Securitizing actor), ደሕንነታዊነት ክዕወት ምእንታ ግድን ክቕበል ዘለዎ ኣካል ህዝቢ/ሰብ ስልጣን ወይ ዓለምለኸ ትካል ወ.ዘ.ተ (Audience)
  • ኣምር ብሔራዊ ደሕንነት ዘስፍሕ ወታሃደራዊ ስግኣታት ጥራሕ ዝይኮነ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ሕብረተሰባውን ከባብያውን ጉዳያት ዘጠቓልል
  • ዞባዊ ውስብስብነት ደሕንነት (Regional Security Complexes) መንግስቲ (State) ማእኸል ዝገበረ/ ዓለማዊ ጥራይ ዘይኮነስ መንግስታት ኣብ ገሊኡ እውን ዘይመንግስታዊ ኣካላት ዝተተሓዘን ናይ ሓባር ናይ ደሕንነት ስግኣት ዘጉልህ
  • ደሕንነት ባህርያዊ ዘይኮነስ ብማሕበራዊ መንገዲ (socially constructed) ይምዕብል

፫ ነቐፌታዊ ደሕንነት ፅንዓት (Perspective) ቀንዲ ኣተሓሳስባታት (Cor Assumptions)

  • መንግስቲ ማእኸል ዝገበረ ባህላዊ (Traditional) ደሕንነት ኣተሓሳስባ ይብድህ (challenge) ንሰብኣዊ ደሕንነት ይጣብቕ: ውሕስነት ውልቀሰባት ልዕሊ ግዝኣታት (States) ቀዳምነት ዝህብ
  • ኣብ ዝተገለሉ ድምጽታት (marginalized voices) ሰብ ማእኸል ዝገበረ ደሕንነት (human-centric security)

ዘተኮረ ፤ናይ ባዕሉ ህዝቡ ንምጭቛን ወተሃደራዊነት (Militarization) ይነቅፍ

  • ተራ ሰብ ስልጣንን ኤሊታትን ኣብ ምውሳን/ ምግላጽ ደሕንነት ኣብ ሕቶ የእቱ
  • ከም ድኽነት፣ ዘይማዕርነት፣ ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽን ስርዓታዊ ዘርኣዊነት ዝኣመሰሉ ጉዳያት ከም ናይ ደሕንነት ጉዳያት የጉልሕ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *