ማኒፌስቶ ምንቅስቓስ ደለይቲ ለውጢ ትግራይ

Mekelle/Tel Aviv/Nairobi/Pretoria/London

Introduction

The Manifesto Document provides a comprehensive overview of the post-conflict political, social, and security landscape in Tigray, with a particular focus on the efforts toward reconciliation, peacebuilding, and democratic governance following the Pretoria Agreement. It examines the complex challenges faced in transitioning from prolonged conflict to stability, including the reintegration of former combatants, security sector reform (DDR/SSR), and the establishment of effective local and regional governance structures.

The report highlights the critical role of inclusive political processes, civil society engagement, and community-driven initiatives in fostering sustainable peace. It underscores the importance of ensuring that the voices of marginalized groups and local communities are central to decision-making, as well as the necessity of strengthening legal frameworks, rule of law, and human rights protections.

By documenting the current state of political structures, security reforms, and social recovery initiatives, this report aims to provide actionable insights for policymakers, local leaders, and international partners committed to supporting Tigray’s path toward reconciliation, stability, and inclusive development. It reflects on both the achievements and ongoing challenges, emphasizing the need for continued collaboration and strategic interventions to consolidate peace and promote long-term resilience in the region.

This Manifesto article forms part of the Horn News Hub’s special publication series on Tigray’s political and security future. It is a defining contribution that will shape debates across Tigray, the Horn of Africa, and among international stakeholders committed to peace, security, and justice.

👉 The full article is available on the Horn News Hub website.

  1. መእተዊ

ኣብ ትግራይ ፤ ድሕሪ ናይ ብቀዋምነት ተፃብኦ ጠጠው ምባል ስምምዕነት ፕሪቶርያ ዝተተኸለ ግዚያዊ ምምሕዳር ብዙሓት ግዜ ዘይህቡ ከም መንግስታዊ ግልጋሎታት ናብ ንቡር ምምላስ ፣ ሕገ-መንግስታዊ ወሰን ትግራይ ምኽባር ፣ ዝተመዛበሉን ዝተሰደዱን ወገናትና ፀጥታኦም ውሑስ ብዝገብር መንገዲ ናብ መረበቶም ምምላስ ፣ ናይ ፀጥታ ሓይሊ ምትዕርራይ (DDR/SSR) ፣ ናይ ዳግመ ሕውየት ስራሕቲ ምጅማርን ንቐፃሊ መረፃ ጥጡሕ ባይታ ፈጢርካ ነፃ ፣ ፍትሓውን ዲሞክራሲያውን መረፃ ብምክያድ ዝተመረፀ መንግስቲ ምትካልን ዝኣመሰሉ ዕላማታት ዝሓዘ እዩ ነይሩ። እዚ ብናይ ፕሪቶርያ ብቀዋምነት ተፃብኦ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕነት ዝመፀ ፖለቲካዊ ምትዕርራይ ፤ኣብ ትግራይ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ መንግስትነት ምሉእ ብምሉእ ብሒቱ ዝፀንሐሉ ፖለቲካዊ ምሕደራ ምልዋጥ ንምጅማር ዘኽእል ኩነታት ሒዙ መፂኡ ነይሩ።

እቲ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ዝወደቐ ሓድነት ህዝቢትግራይ ብምፍዋስ ዝደልደለ ዓቕሚ እነጥርየሉን ኩሎም ባህግታትና ንምፍፃም ፤ ብፍላይ ድማ ኩናትኣትሪፍና ናይ ፕሪቶርያ ብቀዋምነት ተፃብኦ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕነት ምሉእ ብሙሉእ ንክንፍፅም መኽኣለና። እቲ ኣቲናዮ ዘለና ፖለቲካዊ ቅልውላው ቀስ ብቐስ ውሽጣዊ ዓቕምና ኣጠንኪርናን ዓለምለኻዊ ድጋፍ ሒዝናን ንምፍታሕ እውን መኽኣለና ነይሩ።

ይኹን እምበር እቲ ኣብ ትግራይ ከም ንቡር ተወሲዱ ዝፀንሐ ናይ ፖለቲካዊ ምሕደራ ስርዓት ብናይ ሰራዊትኢድ ኣእታውነት ተደጊፉ ፤ እቲ ሓደ ክፋል ህወሓት ፖለቲካዊ ስልጣን ብሒቱ ፤ በቲ ዝመፃእናዮ ልሙድኣገባብ ክቕፅል ክኢሉ እዩ። እዚ ካብ ኣመሰራርትኡ ኣትሒዙ ፀገም ዝነበሮ ግዚያዊ ምምሕዳር ፤ ኣብ ውሽጢውድብ ህወሓት ዝተፈጠረ ምክፍፋልን ጣልቃ ኣታውነት ናይ ሰራዊት ኣዘዝትን ተወሲኹዎ ጠቕሊሉ ክለምስክኢሉ እዩ።

ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ፤ ናብ ናይ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ማእኸላይ ኮሚቴ ኣኼባ ብምእታውውሳነታት ናይ ማእኸላይ ኮሚቴ ክቕየር ኣገዲዶም እዮም። በዚ ከየብቀዑ ፤ ንባዕሎም “ኮርን ካብ ኮርንላዕልን” ኢሎም ዝተወደቡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ጥሪ 15/2017 ዓ/ም ካብ ተልእኾኦም ወፃኢ ብግልፂ ፤ ብቤት ፅሕፈት ህወሓት ንዝምራሕ ክፋል ህወሓት ከምዝድግፉን ምስኡ ተሰሊፎም ከምዝቃለሱን ዕላዊ ገይሮምእዮም። ድሕሪ እዙይ እውን ናብ ናይ መንግስቲ ምግልባጥ ስራሕ ኣቲዮም። እዚ ብምዃኑን ድሕሪኡ ዝመፁናይ ዓፈና ምንቅስቓሳትን ፤ ፖለቲካ ትግራይ ካብ ሰላማዊ ቃልሲ ናብ ብዕጥቂ ዝተደገፈ ፤ ማእኸሉ ድሌት ፖለቲካዊ ጉጅለታት ዝገበረ መስርሕ ኣቲዩ ኣሎ።

እዚ ከይዲ ህፁፅ ፍታሕ ዘድልዮም ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ካብ ኣጀንዳነት ወፃኢ ዝገበረን ፤ ንህዝብን ሰራዊትን ትግራይ ዝበታተነን ናብ ከቢድ ሓደጋ ኩናት ዘእተወናን ኮይኑ እዩ። ንሓድነት ህዝቢ ትግራይ ድማ ናብ ከቢድ ምክፍፋል ኣእቲዩዎ ኣሎ። ድሕሪ እዚ ብፕሬዝዳንትነት ዝተሸወመ ነቲ ግልበጣ መንግስቲ ብላዕለዋይነት ይመርሕ ዝነበረ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ናብ ስልጣን እንትመፅእ ኣብ ቅድሚ ማሕበረሰብ ዓለም ፈሪሙ ዝተቐበሎም ዝተቖፀሩ ሕቶታት ህዝቢ ማእኸል ዝገበሩ ስራሕቲ ንጎኒ ገዲፉዎም ኣሎ።

ብጉጅለ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ኣቢሉ እውን ኣንፃር ስምምዕ ተፃብኦ ጠጠው ምባል ፕሪቶርያ ምስ ናይ ደገ ሓይልታት ፅምዶታት እናተፈጠሩ ንህዝቢ ትግራይ ናብ ኩናት ዝምልስን ትግራይ ዓውደ ኩናት ግዳማውያን ሓይልታት ገይሩ መምለሲ ናብ ዘይብሉ ጥፍኣት ዘእትን ምንቅስቓስ ይግበር ኣሎ።

2. ኣድላይነት ምስረታ ምንቅስቓስ ደለይቲ ለውጢ ትግራይ

ኣብዚ ሐዚ ፤ በቲ ልዕል ኢሉ ዝተገለፀ ኩነታት ምኽንያት ኣብ ትግራይ ዝተረጋግዐ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ምክያድ ኣዚዩ ከቢድ ኮይኑ ኣሎ። ትግራይ እውን ብሰላም ወፊርካ ምእታው ዘይከኣለላ ፣ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ሓደጋ ኩናት ዝውስኸላ ፣ ዓውደ ኩናት ግዳማውያን ሓይልታት ናይ ምዃን ዕድላ ሰፊሕኮይኑ ኣሎ።

ህዝባን ሰራዊታን ዝበተነት ሸፋቱ ዝዕንድሩላ ዓዲ ኮይና ኣላ። በዚ ሐዚ ዘለናሉ ኩነታት ምቕፃል ይኹን በዚ መንገዲ እዚ ቀፂልና ናብ ኩናት ምእታው ከም ተጋሩ መምለሲ ከይህልወና ዝገብር እዩ። ስለዝኾ፤ እናጠፋእና ስቕ ኢልና ክንርኢ ስለዘይብልና ነዚ መንገዲ ጥፍኣት ደው ዘብልን ትግራይ ዘድሕንን ቃልሲ ክነካይድ ግድን ኮይኑ ኣሎ። ካብዚ ብምብጋስ ንለውጢ ዝቃለሳ ውድባት ፖለቲካ ትግራይ ማለት እውን ውድብ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና) ፣ ውድብ ዓረና ትግራይ ንዴሞክራሲን ሉኣላውነትን (ዓረና) ፣ ውድብ ዴሞክራሲያዊስምረት ትግራይ (ስምረት) ፣ ውድብ ትንሳኤ 70 እንደርታን ምስ በዓል ሌ/ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ፣ሜ/ጀነራል ኣበበ ተ/ሃይማኖት (ጆቤ) ን ኣይተ ኣሰፋ ኣብርሃን ዝኣመሰሉ ፅዕንቶ ፈጠርቲ ተጋሩ ውልቀሰባት ብምዃን “ምንቅስቓስ ደለይቲ ለውጢ ትግራይ” ዝብል ምንቅስቓስ ጀሚርና ኣለና።እዚ ምንቅስቓስ ኩሎም ኣፈላላያትና ኣፅኒሕና ፤ እዚ ሐዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ንምልዋጥን ትግራይ ንምድሓንን ኩሉ ዓቕሚ ፖለቲካዊ ውዳበታት ፣ ሲቪል ይኹን ናይ ሙያ ማሕበራትን ፅዕንቶ ፈጠርቲ ውልቀ ሰባትን ኣብ ዝተነፀሩ ናይ ስግግር ዕላማታት ዓሲልና እንቃለሰሉ ኩነታት ምምችቻው እዩ።

እዚ ንምስራሕ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ፤ ሓበራዊ ኣወዳድባን ኣሰራርሓን ብምዝርጋሕ ነቲ ኣብ መሬት ትግራይ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ዘሎ መሪሕነት ዝሰኣነ ድሌት ለውጢ ህዝቢ ምምራሕ እዩ። በዚ መሰረት ፤ ህዝቢ ባዕሉ ብስፍሓት ብዝሳተፈሉ ህዝባዊ ማዕበል ፤ ባዕሉ ብዝወሰኖ ናይ ምሕደራ ስርዓት ብምትካእ ሐዚ ዘሎን እናዓሞቐ ዝኸይድ ዘሎን ናይ ጥፍኣት ጉዕዞ ደው ንምባልን ምቕያርን ዝዓለመ እዩ። ብዙይ ኣቢልካ እውን እቲ ኣብ ትግራይ ዝፀንሐ ፤ ናይ ሓደ ፖለቲካዊ ጉጅለ ናይ ምሕደራ ስርዓት ፤ ብናይ ህዝቢ መንግስቲ ንምትካእ እዩ።

3. ዕላማታት “ምንቅስቓስ ደለይቲ ለውጢ ትግራይ”

ኣብ ትግራይ ኣንፀላልዩ ዘሎ ናይ ኩናት ሓደጋ ብምትራፍ ፣ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ፤ብስልጡን ፣ ብናይ ህዝቢ ድሌትን ቁፅፅርን እናማዕበለ ናብ ዝኸይድ ናይ ፖለቲካዊ ምሕደራ ስርዓት ምስግጋርን ንዓመታት ዝፀንሐ ናይ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ መንግስቲ ብናይ ህዝቢ መንግስቲ ንምትካእ ዘድሊ መንፀፍ ምንፃፍን እዩ።

እዚ ንምግባር ድማ ፦

i. ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ክፍፀም ብሰላማዊን ሕጋውን መንገዲ ምቅላስ፤

 ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ብውሑስ መንገዲ ንምምላስን እግሪ ንምትካልን ምቅላስ፤

 ፍትሒን ተሓታትነትን ክረጋገፅ ምቅላስ፤

 ብቲ ስምምዕ መሰረት ናይ DDR ፕሮግራም ክፍፀምን ግቡእ ዕረያ ሓይሊ ፀጥታ (Securitysector Reform) ክግበርን ምቅላስ፤

ii. ሓቛፊ ግዚያዊ መንግስቲ ምትካል፤

 ግዝያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ ክህሉን ነቲ ስራሕ ፈፃሚ ክቆፃፀርን ምግባር

 ኣብ ብቕዓት ዝተመስረተ ሓቛፊ ካቢኔ ትግራይ ምምስራት፤

 ህዝቢ ዝቆፃፀረንን ተፀዋዕነተን ንህዝቢ ዝኾናን ኣብያተ ምኽርን ምምሕዳራትንወረዳ/ከተማን ጣብያታትን ምምዕርራይን ምጥንኻርን፤

 ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ውሑስ ምግባርን ግቡእ መንግስታዊ ግልጋሎት ብዝተማልአ

iii. መንገዲ ምሃብንንመረፃ ምድላውን ዝተመረፀ መንግስቲ ምምስራትን፤

 ንቐፃሊ መረፃ ጥጡሕ ባይታ ምፍጣርን ምድላውን፤

 ዝተመረፀ መንግስቲ ትግራይ ምምስራት፤

4. ኣወዳድባ እዚ ምንቅስቓስ

እዚ ምንቅስቓስ እዞም ዝስዕቡ ኣወዳድባታት ይህልውዎ

4.1. እዚ ምንቅስቓስ ብሕጋዊ ኣገባብ ዝተመዝገባ ፖለቲካ ውድባት ፣ ሲቪልን ናይ ሞያማሕበረትን ፅዕንቶ ፈጠርቲ ውልቀ ሰባትን ዝሓቖፈ እዩ። ካብዚኦም ብክልል ብርኪ ዝንቀሳቐሱ ፤ኣብቲ ላዕለዋይ ኣካል እዚ ምንቅስቓስ (ፖለቲካዊ ካውንስል) ብወከልቶም ይሕቆፉ። ብዞባ ፣ ወረዳ ብርኪ ዝንቀሳቐሱ ተመሳሰልቲ ኣካላት ድማ በቢ ዞባኦምን ወረዳኦምን ይሕቆፉ።- ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘለዉ ከባቢታት ኢትዮጵያን ዘለዉ ተጋሩ ናይ ባዕሎም ኣወዳድባ ሒዞም ዝሳተፉሉ መስርሕ ይህሉ።

  • ዲያስፖራ ተጋሩ ተወዲቦም ብምሉእ ዓቕሚ ዝሳተፉሉ መስርሕ ምስኦም ብምዝርራብይመዓራረ።

4.2. ፖለቲካዊ ካውንስል- መሰረታዊ ነቶም ዕላማታት ከተግብሩ ዝኽእሉ ውሳነታትን ኣንፈታትን ናይ ምውሳን ስልጣንይህልዎ። ኣብቲ ምንቅስቓስ ብናይ ዝተሓቖፉ ኣካላት ተወከልቲ ይቐውም።

4.3. ፈፃሚ ስራሕ- በቲ ፖለቲካዊ ካውንስል ዝተወሰኑ ውሳነታት የተግብር ፤ ኣብ ተግባር ምውዓሎም ይቆፃፀር- ዝተፈላለያ ከም ኣድላይነቱ ዝቖማን ስራሕ ንምስላጥ ዝሕግዛን ኮሚቴታት ይህልዎ- እዘን ኮሚቴታት ብኣባላት ስራሕ ፈፀምቲ ይምረሓ- ናይ ስራሕተን መደባትን ሪፖርትን ናብ ኣኼባ ፈፃሚትን ካውንስልን የቕርባ

5. ኣብዚ ምንቅስቓስ ንምሕቛፍ ዘድልዩ ረቑሓታት

ኣብዚ ምንቅስቓስ ዘለው ኣካላት ይኹኑ ብቐፃሊ ናብዚ ምንቅስቓስ ዝፅንበሩ ሓይልታት ፖለቲካ ትግራይ ክሰማምዑለን ወይ ድማ ከማልኡወን ዝግባእ ቀንዲ ረቑሓታት እዘን ዝስዕባ እየን

 መሰል ርእሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ዝቕበሉ/ዝኣምኑ፤

 ብሔራዊ ህላወን ረብሓን ትግራይ ዘቐድሙ፤

 ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ብሰላማዊን ሕጋዊን መንገዲ ንክትግበር ዝቃለሱ፤

 ንምውሓስ ግዝኣታውን ፖለቲካዊን ሉእላውነት ትግራይ ዝቃለሱ፤

 ኣብ ትግራይ መሰረታዊ ስርዓታዊ ለውጢ ክመፅእ ዝቃለሱን፤ዝብሉን ዝኣመሳሰሉን ብውሑዱ ኣብ ናይ ኩሉ ትግራዋይ ብሄራዊ ዋኒናትን ረብሓታትን ዝሰማምዑንዝቃለሱን ሓይልታት ዝሓቁፍ እዩ።

6. ምፅዳቕ፣ ምእዋጅ፣ ናብ ተግባር ምእታው

ውድብ ብሔራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና)፣ ዓረና ትግራይ ንዴሞክራስን ሉእላውነትን (ዓረና)፣ውድብ ዴሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ (ስምረት) ፣ ውድብ ትንሳኤ 70 እንደርታን ምስ በዓል ሌ/ጀነራልፃድቃን ገ/ትንሳኤ ፣ ሜ/ጀነራል ኣበበ ተ/ሃይማኖት (ጆቤ) ን ኣይተ ኣሰፋ ኣብርሃን ዝኣመሰሉ ፅዕንቶ ፈጠርቲ ውልቀ ሰባት ብምዃን ነቶም ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩ ሓበራዊ ዕላማታት ንምዕዋት ተሰማሚዐን ነዚ ምንቅስቓስ መስሪተን ኣለዋ።

7. ፃውዒት ቃልሲ

ህዝብና መገዛ ዓዱ ተጓንዩ፤ ትግራይ ናይ ውሑዳት ጉጅለታት ኮይና ኣላ። መሪሕነት ጉጅለ ድሕረት ድማ ህዝቢ ትግራይ ጅሆ ኣትሒዙ ፀቢብ ጉጅለኣዊ ረብሕኡን መደላድል ስልጣኑን ጥራሕ ንምዕቃብ ክብል ፀረ ብሄራዊ ቃልስናን ፀረ ለውጥን ኮይኑ፤ ተጋሩ ሕድሕድና ብከባቢ ክንከፋፈል ገይሩ ይቕፅል ኣሎ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻን መንእሰይ ወለዶ ድማ ብፍላይን ትግራይ ውሑዳት ከም ድላዮም ዝዕንደሩላ መላእ ህዝቢ ግና ዝሳቐየላ፣ መሬትና ተጎዛዝዩ፣ ህዝብና ፋሕ ብትን ኢሉ፣ ከም ብሔር እውን መፃኢና ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ኣብ ዘለሉ ኣብዚ ሐዚ እዋን ካልእ ዘይተደላዪ ኲናት ከዋልድ ኣብ ጫፍ በፂሑ ይርከብ።

ስለዝኾነ ድማ እዚ እናራእና ስቕ ክንብል ስለ ዘይግባእ፤ እዚ ሰላማውን ሕጋውን ህዝቢ ትግራይ ናይምድሓን ምንቅስቓስ ዝመስረትና ኣካላት ንኩሎም ህዝቢ ናይ ምድሓን ዕላማ ዘለዎም ሓይልታት ፖለቲካትግራይ፣ ናይ ሞያን ሲቪል ማሕበራትን፣ ከምኡ እውን ኣብ ጉዳይ ትግራይ ፀለውቲ ዝበሃሉ ውልቀ ሰባትን ውልቃዊ ኮነ ጉጅላዊ ወይ ውድባዊ ረብሓታትን ስነ ሓሳባትን ብይሕደር ኣፅኒሖም ኣብዚ ህዝቢ ትግራይንትግራይን ንምድሓን ዝተመስረተ “ምንቅስቓስ ደለይቲ ለውጢ ትግራይ” ትግራይ ንምድሓን ሓቢርና ክንቃለስን ፃውዒትና ነቕርብ። በቢብርኩ ክፅንበሩን ፖለቲካዊ ምሕደራና ብምዝማን ፤ ሓድነትናን ረብሓናን ነረጋግፅ!

ፖለቲካዊ ምሕደራና ብምዝማን ፤ ሓድነትናን ረብሓናን ነረጋግፅ!

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *